ኢጋድ መሳርሒ ኢትዮጵያ ይኸውን ኣሎ ክትብል ኤርትራ ትወቕስ

Radio Erena: 01 February 2017

IGAD 2

መበል 30 ዓመት ምቋም በይነ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዓት ( ኢጋድ) ኣብ ዝተጸንበለሉ እዋን፣ እቲ ዞባዊ ውድብ መሳርሒ ኢትዮጵያ ብምዃን ኣንጻር ኤርትራ ይሰርሕ ኣሎ ክብል መንግስቲ ኤርትራ ወቒሱ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፣ ብ31 ጥሪ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እቲ ዞባዊ ውድብ መሳርሒ ኢትዮጵያ ብምዃን ኣንጻር ኤርትራ ዝቐንዐ ጸለመታት ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከምዘቕረበ ጠቒሱ።

ድሕሪ ናጽነታ ኣብ 1993 መበል ሻውዐይቲ ኣባል ብምዃን ንኢጋድ ዝተጸንበረቶ ኤርትራ፣ ምስ ኢትዮጵያን ጅቡትን ድሕሪ ዝተኻየደ ግጭታት ብተመሳሳሊ ወቐሳ ካብቲ ዞባዊ ውድብ ንሓጺር እዋን ስሒባ ምንባራ ይዝከር።

 ኣብ 2011 ናብቲ ዞባዊ ውድብ ድሕሪ ምምላሳ’ውን ኤርትራ፣ እቲ ውድብ ጸግዒ ኢትዮጵያን ጅቡትን ብምሓዝ መሳርሒ ይኸውን ኣሎ እናበለት ምዕዝምዛማት ከተስምዕ ምጽንሓ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት የረድኡ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ብ31 ጥሪ ኣብ ዘርግሖ መግለጺ ድማ፣ ኢጋድ፣ ካብ ሕጋዊን ሞራላውን ዕማማቱ ወጻኢ፣ መሳርሒ ኢትዮጵያ ብምዃን፣ ኣንጻር ኤርትራ ናይ ሓሶት ክስታት ናብ ባይቶ ጸጥታ ከምዘቕረበ ይቓወም ኣሎ።

ኣብ 1986 ዝቖመ ኢጋድ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ጅቡቲ፣ ሶማል፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኡጋንዳን ኬንያን ሸሞንተ ኣባላት ዝሓቖፈ ኮይኑ፣ ቀዋሚ ቤት ጽሕፈቱ ድማ ኣብ ጅቡቲ’ዩ።

ካብ 1996 ክሳብ 2000 ዓመት ኣብ ዝነበረ እዋን፣ ኤርትራዊ ዶክተርተኸስተ ገብራይ ዋና ጸሓፊ እዚ ዞባዊ ውድብ ምንባሩ ይዝከር።

መበል ሻሙነይቲ ኣባል ብምዃን ናብ ኢጋድ ናይ መወዳእታ ዝተጸንበረት ሃገር ደቡብ ሱዳን’ያ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0