ኢንጅኔር ኣዜብ ኣስናቀ እትርከቦም ላዕለዎት ሓለፍቲ ብብልሽውናን ምጥፍፋእን ተኸሲሶም

Radio Erena: 29 December 2019

ሓላፊት በዓል መዚ ኤለክትሪክ ዝነበረት ኢንጅኔር ኣዜብ ኣስናቀ እትርከቦም ላዕለዎት ሓለፍቲ ብብልሽውናን ምጥፍፋእን ተኸሲሶም።

ንሳ ምስ ኮሎኔል ሙሉ ወልደገብሪኤል ዝርከቦም ካልኦት ከባቢ 50 ላዕለዎት ሓለፍትን ተራ ሰራሕተኛታትን፣ ዝተኸሰሱሉ ጉዳይ፣ ልዕሊ 2.5 ቢልዮን ብር ብምጥፍፋእ ምዃኑ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ኢትዮጵያን ንእትሃንጾ ዘላ መመንጨዊ ሃይድሮ ኤለክትሪክ መእለዪ ውሕጅ ተባሂሉ ንክጸርይ ዝተኣመመ ጫካ 31 ሚእታዊት ጥራይ ተፈጺሙ እንከሎ እዩ ልዕሊ ፍርቂ ናይቲ ምሉእ ባጀት ገንዘብ ወዲኡ።

ምስቲ ትካል ክሰርሓ ኩንትራት ዝወሰዳ ንኣሽቱ ናይ ውልቂ ትካላት እውን ንጹር መስርሕ ዘይተኸተለ ሕርያ ስለዝተኻየደለን ሓደ ካብቲ ንኢንጅኔር ኣዜብን መሳርሕታን ቀሪቡሎም ዘሎ ክስታት እዩ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይዚ ንዛዝሞ ዘለና ዓመት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኩሎም ሓለፍቲ በዓል መዚ ኤለክትሪክ ካብ ስርሖም ደው ከምዘበሎም ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0