ኢትዮጵያ ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ፣ ኢድ ኔሩኩም ናይ ዝተባህሉ ጥርጡራት ቀይዲ ይቕጽል

Radio Erena: 28 June 2019

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ፣ ኢድ ኔርዎም ክኸውን ከም ዝኽእል ናይ ዝተጠርጠሩ ዜጋታት ቁጽሪ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ፣ ዝተፈለለዩ ምንጭታት ካብታ ሃገር ይገልጹ።

ወሃብ ቃል ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ፣ ክርስያን ታደለ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ 56 ካብ ኣባላቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካልኦት ዓሰርተታት ድማ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከም ዝተኣስሩ ገሊጹ።

ክርስቲያን ታደለ ብተወሳኺ፣ እዚ ዝካየድ ዘሎ ናይ ምቕራም መስርሕ ኣብ ልዕሊ ሰልፊ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ዝዓለመ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብሓፈሻ ኣብ መንነት ዝተሞርከሰ መጥቃዕቲ እዩ ክብል ኣተሓሳሲቡ።

በዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ፈተነ ዕልወትን ቅትለት ሓለቓ ስታፍ ሰራዊትን፣ ከም ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኤኮዋስ ዝኣመሰላ ሕብረታትን ከምኡ ውን መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዕሊ ከም ዝኾነንዎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ሕብረት ኣፍሪቃ ብመንገዲ ኣቦ መንበሩ ሙሳ ፋኪ መሓመት ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፣ ንመላእ ቤተ ሰብን ፈተውትን መወቲ ከምኡ ውን ንመላእ እታ ሃገር ምጽንናዕ ብምምናይ ነቲ ፍጻሜ ብዕሊ ኮኒኑ።

ኣብዚ ናይ ለውጢ፣ ዕማምን ጽገናን ኣብ ጎኒ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን መንግስቲ ኢትዮጵያን ከም ዘሎ ውን ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

እዚ ብ 22 ሰነ ኣብ ባህርዳር ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋን፣ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ቅትለት ሓለቓ ስታፍ ሰራዊትን ቀጥታዊ ምትእስሳር ክህልዎ ከምዝኽእል’ዮም ዲፕሎማሰኛታት ዝገልጹ ዘለዉ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0