‘ኢትዮጵያ ዘካየደቶ ምርጫ፣ ናጻን ርትዓዊን ኣይነበረን’ ሕ.መ.ኣ.

Radio Erena: 27 June 2021

ኢትዮጵያ ብ21 ሰነ ዘካየደቶ ምርጫ፣ ናጻን ርትዓዊን ኣይነበረን ክትብል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ገሊጻ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ብዓርቢ 25 ሰነ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ህዝባዊ ምርጫ ምክያድ መንገዲ ደሞክራሲ ዘጣጥሕን ፖለቲካዊ ምትዕርራይ ዝገብርን መስርሕ ደኣምበር ንገዛእ ርእሱ ዕላማ ከምዘይኮነ ገሊጹ።

ምርጫ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዘይርጉእን፣ ዓሌታዊ ግጭት ኣብ ዝካየደሉን እዋን፣ ይካየድ ምህላዉ ድሕሪ ምዝኽኻር፣ ገለ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ነቲ ምርጫ ምሕሳመን፣ ፖለቲካውያን መራሕቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም፣ ኣብ በበይኑ ኩርናዓት እታ ሃገር ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን’ውን ስለዝተኻየደ፣ ናጻን ርትዓዊን እዩ ክበሃል ከምዘይከኣል ኣመልኪቱ።

ውጽኢት’ቲ ምርጫ ገና ዘይተገልጸ እኳ እንተኾነ፣ ፖለቲካውያን መራሕትን ዓበይቲ ዓድን፣ ንሰላም ክሰርሑን፣ ሓድሕዳዊ ግጭት ካብ ምስዋር ክቑጠቡን መግለጺ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ጸዊዑ።

እቲ መግለጺ ኣብ መወዳእታ፣ ኢትዮጵያ ኣትያቶ ካብ ዘላ ቅልውላው ክትወጽእ፣ ድሕረ-ምርጫ ዘተ ክተባባዕ፣ ግርጭታት ኣብ ምፍታሕ፣ ሃገራዊ ዕርቂ ኣብ ምክያድ ክትነጥፍ ምሉእ ደገፍ ኣመሪካ ከምይዘፍለያ ኣመልኪቱ።

ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ብሰላማዊ መንገዲ ክዓርፍ፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ብናጻ ኣካል ክምርመር፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ዝብሉ ምሕጽንታታት እውን ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሶም ኣለዉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0