ኢትዮጵያ ዘለዋ ውህሉል ዕዳ 57 ቢልዮን ዶላር በጺሑ

Radio Erena: 04 September 2022

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ትካላት ፋይናንስ ውሽጢ ሃገር ዝተለቅሖ ውህሉል ዕዳ፣ ኣብዚ ኣብዚ ዓመት’ዚ፣ ሓደ ትሪልዮንን 530 ቢልዮንን ብር ከምዝበጽሐ ሚኒስትሪ ገንዘብ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ዘቤታዊ ውህሉል ዕዳ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሓደ ትሪልዮንን 176 ቢልዮንን ብር ምንባሩ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብ354 ቢልዮን ብር ምዝያዱ ኣነጺሩ።

ውህሉል ዘቤታዊ ዕዳ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ዓመት ጥራይ ብክንድኡ ብዝሒ ዝነሃረሉ ምኽንያት፣ ኵናትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝሰዓበ ቁጠባዊ ቅልውላው፣ ከም ምስራዝ ካብ ኣጎዋ ዝኣመሰለ እገዳን፣ ዝቕባበን ምዃኑ ተንተንቲ ቁጠባ ይእምቱ።

ኢትዮጵያ፣ ናይ ወጻኢ ይኹን ዘቤታዊ ብጠቕላላ ዝተለቀሓቶ ውህሉል ዕዳ 57.3 ቢልዮን ዶላር በጺሑ ኣሎ።

ካብዚ እቲ ኣስታት ፍርቂ ናይ ወጻኢ ዕዳ’ዩ።

ብዘለዋ ውህሉል ዕዳ ምስ ቀዳማት ሃገራት እትስራዕ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ቁጠባዊ ዕብየት ከተርኢ ጀሚራ ምንባራ ጸብጻብ ባንክ ዓለም ይሕብር።

ኣብዚ ዝሓለፈ 5 ዓመታት ዝተራእየ ህዝባዊ ተቓውሞን ድሒሩ ዝተወልዐ ኵናትን፣ ኣብ ትካላትን ወፍርን ገዚፍ ዕንወት ስለዘውረደ፣ እታ ሃገር ንተወሳኺ ዕዳን ቁጠባዊ ውድቀትን ተቓሊዓ ከምእትርከብ እቶም ተንተንቲ የጠንቅቑ።
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0