ኢትዮጵያ ዘለዋ ናይ ወጻኢ ዕዳ ኣብ ኣተሓሳሳቢ ደረጃ ከምዝበጽሐ IMF ገሊጹ

ኢትዮጵያ ዘለዋ ናይ ወጻኢ ዕዳ ኣብ ኣተሓሳሳቢ ደረጃ ከምዝበጽሐ IMF ገሊጹ

Radio Erena: 05 October 2015

Bof eth

ዕዳ ኢትዮጵያ ኣብ ኣተሓሳሳቢ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ፊናንስያዊ ትካል፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ቁጠባ ኢትዮጵያ ብ8.7 ሚእታዊት ክዓቢ ትጽቢት ከምዘሎ እኳ እንተሓበረ፣ ዕዳ እታ ሃገር ን50 ሚእታዊት ዓመታዊ ሓፈሻዊ እቶታ ሸፊኑ ምህላዉ ግና ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ይጠቅስ።

ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ነዚ ብኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ዝወጸ መግለጺ ኣመልኪታ ኣብ ዘቕረበቶ ትንታነ’ውን እቲ ዕዳ ክሳብ 1.24 ትሪልዮን ብር ከምዝበጽሕ ተመልክት።

 

እቲ ኢትዮጵያ ኮሚራቶ ዘላ ዕዳ፣ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ካብ ዘቀመጦ መስመር፣ ድኻታት ሃገራት ክልቕሕኦ ዝግብአ መጠን ገንዘብ ዝሓለፈ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ቁጠባ ኢትዮጵያ፣ ብዘቤታውን ግዳማውያን ቁጠባ እናተጸለወ፣ ዘይምርግጋእ ከጋጥሞ ተኽእሎ ከምዘሎ ዘመልከት ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፣ ቁጠባዊ ዕብየት እታ ሃገር ከኣ ካብቲ ብመንግስቲ ተገሚቱ ዝነበረ ናይ 10.2 ሚእታዊት ብ1.5 ሚእታዊት ዝጎደለ ምዃኑ የረድእ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ወፍርን ንግድን ሰፊሕ ዕድላት ዘለዋ ሃገር ኮይና፣ ኣብ ልምዓት’ውን ዓበይቲ ዓወታት የመዝግባ ካብ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ’ያ እናተባህለት’ያ ትጥቐስ።

ይኹን’ምበር እታ ሃገር ዘለዋ ብዝሒ ናይ ወጻኢ ዕዳ ምስተን ቀዳሞት ሃገራት ምዃና’ውን ጸብጻብ ኣህጉራውያን ፊናንስያውያን ትካላት የመልክት።

=======================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0