ኢትዮጵያ ካብ 11 ኩባንያታት ግብጺ እትሽምቶ ዝነበረት መድሃኒት ደው ኣቢላቶ

ኢትዮጵያ ካብ 11 ኩባንያታት ግብጺ እትሽምቶ ዝነበረት መድሃኒት ደው ኣቢላቶ

Radio Erena: 27 July 2016

Phar

ኢትዮጵያ ካብ ግብጺ እተምጽኦ ዝነበረት መድሃኒታት ደው ከምዘበለቶ ማዕከናት ዜና ግብጺ ሓቢረን።

ኢትዮጵያ ኣብ ግብጺ ካብ ዝርከባ 13 ኩባንያት መፍረ መድሃኔት ክትሽመት ከምዝጸንሐ ዝሓበረ ማዕከን ዜና ኣል ማስሪ ኣልዮም፣ ወከልቲ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ናብ ግብጺ ድሕሪ ዘካየድዎ ዑደት ግና 11 ካብተን 13 ኩባንያታት ብቕዓቱ ዝሓለወ መድሃኒት ኣየፍርያን’የን ብምባል፣ ውዕላቶም ከምዝሰረዙ ጠቒሱ።

 

እተን ኩባንያታት ናብ 15 ሃገራት መድሃኒት ከምዝልእካ ዝሓበረ ሓላፊ ሰድድ መድሃኒት ግብጺ ማጂድ ጆርጅ፣ እዚ ናይ ኢትዮጵያ ውሳኔ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘለዎ ኣመልኪቱ።

ኢትዮጵያ፣ ብቕዓቱ ኣይሓለወን ኢላ ዝነጸገቶ ፍርያት ግብጺ ዝኾነ መድሃኒት፣ ኣብታ ሃገር ምስ ዘሎ ጠለባት ብምዝማድ ህጹጽ መጽናዕቲ እተካይድ ኮሚተ ቆይማ ከምዘላ’ውን እቲ ግብጻዊ በዓል ስልጣን ጠቒሱ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ግብጺ ዝርከቦም ወከልቲ ክልትኤን ሃገራትን ክኢላታትን ኣብዚ ቀረባ ኣኼባ ብምክያድ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ክዝትዩ ምዃኖም’ውን ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ካብ ህንዲ ዝሸመተቶ ኣስታት 70 ሚልዮን ኮንዶም’ውን ብቕዓቱ ኣይሓለወን ብምባል ዝሓለፈ ወርሒ ክትጉሕፎ ከምዝወሰነት ኣይርሳዕን።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0