ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሶ፣ ንጸጥታዊ ርግኣት እቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ክኽውን ከምዘይብሉ መራሕቲ ግብጽን ጂቡቲን ተረዳዲኦም

Radio Erena: 31 May 2021

ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሶ፣ ንጸጥታዊ ርግኣት እቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ ዘየእቱን፣ ንኹሎም ወገናት ድማ ብማዕረ ዘርብሕን ክኸውን ከምዘለዎ መራሕቲ ግብጽን ጂቡቲን ተረዳዲኦም።

እቶም መራሕቲ ኣብ ምርድዳእ ከምዝበጽሑ ዝተሓበረ፣ ፕረዚደንት ግብጺ፣ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ብ27 ግንቦት፣ ኣብ ጂቡቲ ታሪኻዊ ዑደት ኣካይዱ ናብ ሃገሩ ድሕሪ ምምላሱ’ዩ።

ፕረዚደንት ኣል ሲሲ፣ ንኢትዮጵያ ልዕሊ 95% ናይ ወደብ ኣገልግሎት እትህባ ጎረቤት ሃገር ጂቡቲ ዝበጽሐ፣ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ’ቲ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ግብጺ ኣብ ኬንያ ሓያሎ ስምምዓት ምኽታሙ’ዩ።

ኣብ ታሪኽ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት፣ ናይ ፈለማ ዝኾነ ዑደት ፕረዚደንት ግብጺ ናብ ጂቡቲ፣ ከም ኣካል ናይቲ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እተካይዶ ዘላ ዲፕሎማስያዉ፣ ፖለቲካውን ወትሃደራዊን ጸቕጥታት’ዩ።

ግብጺ ብዘይካ’ቲ ምስ ጂቡቲ ኣብ ዲፕሎማስን ፖለቲካን ዘካየደቶ ምምኽኻር፣ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛት ብምትኳር’ውን፣ ክልተ ነፈርቲ ዝመልአ መድሃኒታትን መግብን ናብታ ሃገር ልኢኻ።

ብጉዳይ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋን ኣጠቓቕማ ናይልን ብዝምልከት ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምስሕሓብ እትርከብ ግብጺ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፣ ምስ ሱዳን፣ ኡጋንዳ፣ ብሩንዲ፣ ኬንያን ጂቡቲን ጽዑቕ ርክባት ኣካይዳ ኣላ።

ብፍላይ ምስ ሱዳን መስሪታቶ ዘላ ኣብ ጸጥታን ወትሃደራዊን ዘተኮረ ኪዳን፣ ንኢትዮጵያ ኣብ ከበባ ንምእታው ዝዓለመ ምዃኑ’ዮም ተንተንቲ ዘረድኡ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0