ኢትዮጵያ: ኣብ ድሬዳዋ ዝጀመረ ናዕቢ ገና ይቕጽል

ኢትዮጵያ: ኣብ ድሬዳዋ ዝጀመረ ናዕቢ ገና ይቕጽል

Radio Erena: 27 January 2019

ኣብ ድሬዳዋ ኢትዮጵያ ዝጀመረ ናዕቢ ገና ይቕጽል ከምዘሎ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ሓቢሩ።

ብዕለት 21 ጥሪ ሃይማኖታዊ በዓል ጥምቀት ኣብ ዝኽበረሉ ዝነበረ እዋን ዝጀመረ እዚ ዳሕረዋይ እብረ ግጭት ሓድሕድ፣ ብተራ ባእሲ መንእሰያት ጀሚሩ፣ ናብ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ከምዝተሰጋገረ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ይገልጻ።

ናዕበኛታት፣ ኣብታ ከተማ ዘሎ ምምሕዳራዊ ምቕረሐ ስልጣን፣ ኣብ ብሄራት ኣድልዎ ኣለዎ ዝብል ጠለብ እዮም ዘቕርቡ ዘለዉ።

ብፍላይ ብሓሙስን ዓርብን እቶም ናዕበኛታት ንቀንዲ ጎደናታት እታ ከተማ ብዝቃጸል ጎማታትን ኣእማንን ዓጽዮም።

ብኻልእ ወገን፣ ኣብ ዞባ ሶማሊ ናይ ኢትዮጵያ 46 ሰባት ብገበን ቅትለት ተኸሲሶም ጽባሕ ሰኑይ 28 ጥሪ ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ክረአ እዩ።

እዞም ተኸሲሶም ዘለዉ ውልቀሰባት፣ ገበኖም ምስቲ ኣብ ኣርባዕተ ከባቢታት ዞባ ሶማሊ ልዕሊ 400 ሰባት ዝተቐብሩሉ ጋህስታት ዝተሓሓዝ ከምዝኾነ ይግለጽ።

እዚ መርመራ ገበናት ቅትለትን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን፣ ፕረዚደንት እቲ ዞባ ዝነበረ ዓብዲ ማሕሙድ ዑመር ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ እዩ ጀሚሩ። ንሱ ኣብ 2008 ፕረዚደንት እቲ ዞባ ኮይኑ ቅድሚ ምምዛዙ ሓላፊ ጸጥታ’ቲ ዞባ እዩ ኔሩ።

ክልል ሶማሊ ናይ ኢትዮጵያ፣ ነታ ሃገር ዓመታዊ ናይ 7 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከርክባ ዘኽእል ባህርያዊ ጋዝ ዘለዎ ዞባ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0