ኢትዮጵያ ኣብ ዲጋ ህዳሴ ማይ ከተዕቁር እንተጀሚራ፣ ሱዳን ከም ቀጥታዊ ምትንዃል ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ከምእትርእዮ ገሊጻ

Radio Erena: 07 February 2021

ኢትዮጵያ ኣብ ዲጋ ህዳሴ ማይ ከተዕቁር እንተጀሚራ፣ ሱዳን ከም ቀጥታዊ ምትንዃል ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ከምእትርእዮ ገሊጻ።
ሚኒስተር ሃብቲ ማይ ሱዳን ያሲር ዓባስ ብቀዳም 6 ለካቲት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኢትዮጵያ በይናዊ ውሳኔ ብምውሳድ፣ ኣብ ዝሓለፈ ክራማት ማይ ከቀዕቁር ከምዝጀመረት ብምዝኽኻር፣ ኣብዚ ዝመጽእ ክራማት ተመሳሳሊ ስጉምቲ እንተወሲዳ፣ ሱዳን ግብራዊ መልሲ ክትህብ ክትግደድ’ያ ኢሉ።
ንሱ ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዘይፍረ ዝተዓጽወ ዘተ፣ ዳግማይ ክበራበር፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ሕብረት ኣፍሪቃን፣ ናይ መንጎኝነት ተራ ክጻወቱ ጸዊዑ።
ኢትዮጵያ፣ ምስ ግብጽን ሱዳንን ከይተሰማመዐት ዲጋ ህዳሴ ክትመልእ እንተጀሚራ፣ ነቲ ኣብ ዶባት ሱዳንን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ወተሃደራዊ ወጥሪ፣ ተወሳኺ ነዳዲ ክኽዕወሉ ከምዝኽእል ይትንተን።
ብመንጎኝነት ኣመሪካን ባንክ ዓለምን ዝተኻየደ ዘተ ኣብ መንጎ’ዘን ሰለስተ ሃገራት፣ ኣመሪካ ናይ ግብጺ ጸግዒ ሒዛ ክትብል ኢትዮጵያ ድሕሪ ዘቕረበቶ ክሲ ብዘይፍረ ከምዝተዛዘመ ይዝከር።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0