ኢትዮጵያ ንግዳያት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝኸውን ሓገዝ ንቱርኪ ወፍያ

Radio Erena: 01 March 2023

ኢትዮጵያ ንግዳያት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝውዕል ሓገዝ ንቱርኪ ከም ዝለኣኸት ተሓቢሩ።

ኣብ 6ተ ለካቲት ኣብ ዶባት ቱርክን ሶርያን ብዝተፈጥረ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልዕሊን 50 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱን ከቢድ ቁጠባዊ ዕንወት ከም ዝወረደን ይፍለጥ።

ነዚ ስዒቡ ካብ መላእ ዓለም ናብ ቱርኪ ሞራላውን ንዋታውን ደገፍ ክውሕዝ ቀንዩ።፡ ኣብቲ ብሰኑይ 27 ለካቲት ኤምባሲ ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ዝወደቦ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ናይ ሓገዝ ስነ ስርዓት፡ ልዕሊ 10 ሚልዮን ብር ክእከብ ከም ዝተኻእለ ይሕበር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓደጋ ካብ ዘጋጠመሉ እዋን ኣትሒዙ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕንን ወተሃደራትን፡ ከምኡ’ውን ቴንዳን ኮቦርታታትን ናብ ቱርኪ ብምልኣኽ ድጋፉ ከርኢ ጸኒሑ እዩ።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ቦሮና ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ዞባ ብዝተፈጥረ ድርቂ፡ ኣሽሓት ዜጋታት ዝሃልቁላ፡ ኣብ ትግራይን ካልእ ዝተፈላለዩ ቦታታት ናይታ ሃገርን ብዝተፈጥሩ ግጭታት ድማ፡ ዜጋታታ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ወዲቖም ተጸበይቲ ረድኤት ኮይኖም ከም ዘለዉ ይፍለጥ።

 

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0