ኢትዮጵያ ሓድሽ ካቢኔ ሚኒስተራት ኣቚማ

ኢትዮጵያ ሓድሽ ካቢኔ ሚኒስተራት ኣቚማ

Radio Erena: 22 April 2018

cabine ethiopiaሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ብሓሙስ 19 ሚያዝያ ካቢኔ ሚኒስተራት ከምዘቖመ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ንካቢኔ ናይ ዝተረቑሑ ሰባት እማመ፣ ብባይቶ’ታ ሃገር ተቐባልነት ረኺቡ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣቐዲሞም ሚኒስተራት ዝጸንሑ ናይ ቦታ ምልውዋጥ ክገብር እንከሎ፣ ሓደስቲ 10’ውን ከምዝሾመ ተገሊጹ።

ኣብዚ ሓድሽ ቆይሙ ዘሎ ካቢኔ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ፣ ሚኒስተር ምክልኻል ዝነበረ ሲራጅ ፈገሳ፣ ብሞቱማ መካሳ ተተኪኡ ኣሎ። ከምዝፍለጥ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተኣዊጁ ዘሎ እዋን ህጹጽ ሓደጋ ብሚኒስተር ምክልኻል’ዩ ዝእዘዝ።

 

ገለ ኣባላት ባይቶ፣ እቲ ዝተኻየደ ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ ፍትሓዊ ኣይነበረን ክብሉ እንከለዉ፣ ሓያሎ ካብ ኣባላት ባይቶ ከኣ፣ እዚ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተጠቕመሉ ሜላ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ መራሕቲ ፍልይ ዝበለ ብምዃኑ ደገፎም ገሊጾም።

========================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0