ኢትዮጵያ፤ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣብ ከባቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣባይቲ የፍርስ

ኢትዮጵያ፤ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣብ ከባቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣባይቲ የፍርስ

Radio Erena: 24 February 2019

ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ካብ ማስተር ፕላን ወጻኢ’ዩ ብምባል ኣብ ከባቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣባይቲ ናይ ምፍራስ መስርሕ ብሰፊሑ ይቕጽሎ ከምዘሎ፤ ካብታ ከተማ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

 እዚ ንልምዓት ኣብ ዝተሓዝአ ቦታ ብዘይሕጋዊ ፍቓድ ተሃኒጹ ተባሂሉ ዝዓኑ ዘሎ ኣባይቲ፤ ልዕሊ 12000 ከምዝበጽሕ’ዩ ዝግለጽ። ዛጊት ብኣሽሓት ዝነብሩሉ ዝነበሩ ልዕሊ 930 ኣባይቲ ዓንዩ ኣሎ።

ገለ ነበርቲ ናይቲ ፈሪሱ ዘሎ ኣባይቲ ንጋዜጣ ዘሪፖርተር ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፤ካብ ምምሕዳር ከተማ ፍቓድ ዝተዋህቦም ምዃኖም ክገልጹ እንከለዉ፤ ካልኦት ከኣ ዝኾነ ሕጋዊ ኣገልግሎትን ወረቐት መንነትን ኣብ ምርካብ በቲ ኣድራሽኦም ክጥቀሙ እንከለዉ ሕጋዊ ዝነበረ ኣባይቲ፤ ሕጂ ሃንደበት ንምንታይ ዘይሕጋዊ ከምዝኾነ ኣይተረደኣናን ክብሉ ምረቶም ገሊጾም።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፤ ዝበዝሐ ካብቲ ዝፈርስ ዘሎ ኣባይቲ፤ ኣቐዲሙ በቲ ምምሕዳር ተገዚኡ ንካልእ ዕላማ ተሓዚኡ ዝጸንሐ ከምዝኾነ ድሕሪ ምምልካት፤ ዳግማይ ዋጋ ክኽፈሎ ምፍቃዱ፤ ዝሓለፈ ምምሕዳር ናይታ ከተማ ክሕተተሉ ይግባእ ኢሉ።

ብኣንጻር’ቲ ኩሉ ዝመጾ ዘሎ ተቓውሞታት፤ ኩሉ’ቲ 12 ሽሕ ኣባይቲ ክሳብ ዝፈርስ ነዚ መስርሕ ክቕጽሎ ምዃኑ እቲ ምምሕዳር ኣፍሊጡ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0