ኢትዮጵያ፣ 71 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ኣጽዋር ሸሚታ

Radio Erena: 06 April 2020

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 71 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ወትሃደራዊ ንዋት ምሽማታ፣ ስቶኮልም ዝመደበሩ ኢንስቲትዮት ንኣህጉራዊ ሰላም ኣቃሊዑ።

እቲ ንመሸጣ ኣጽዋር ዓለም ዝከታተል መጽናዕታዊ ትካል ኣብ ዘቕረቦ ዝርዝራዊ ጸብጻብ፣ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ 104 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ሸመተ ወትሃደራዊ ንዋት ከመዝግብ እንከሎ፣ ካብዚ እቲ 71 ሚልዮን ናይ ኢትዮጵያ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ገለ ካብቲ ኢትዮጵያ ዝሸመተቶ ኣጽዋር፣ ሽዱሽተ ናይ ወትሃደራዊ ልምምድ ነፈርቲ ካብ ጀርመንን ኣርባዕተ ጸረ ነፈርቲ ሚሳይላት ካብ ሩስያን ይርከቦ።

ኢትዮጵያ፣ ምስ ፈረንሳ’ውን ናይ ኣማኢት ሚልዮናት ወትሃደራዊ ስምምዕ ንምክያድ ኣብ መስርሕ ከምዘላ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብቲ ዞባ ድሕሪ ኢትዮጵያ ዝበዝሐ ገንዘብ ንወትሃደራዊ ንዋት ዘህለኸት ሃገር ኬንያ ኮይና፣ መብዛሕቱ ኣብ ሓይሊ ኣየር ዘተክረ 32 ሚልዮን ዶላር ኣፍሲሳ።

=========

COMMENTS

WORDPRESS: 0