ኢትዮጵያ፣ ‘ዩኒቨርሲታት ክሳብ ምዕጻው ስጉምቲ ክንወስድ ኢና’ ቀ/ሚ

Radio Erena: 17 November 2019

ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨሲታት ኢትዮጵያ ተጎሃሂሩ ዘሎ ብሄር ዘንቀሎ ግጭት ኣተኲሩ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ክሳብ ዩኒቨርሲቲ ምዕጻው ዝበጽሕ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ኣብቲ ንኣባላት ቦርድ ዩኒቨርሲታትን ዝምልከቶም ኣካላትን ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ኣብ መንጎ ተመሃሮ ተጀሚሩ ዘሎ ዓሌታዊ ግጭት ደው እንተዘይኢሉ፣ መንግስቲ ኣድላዪ ዝበሎ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝኾነ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ገሊጹ።
እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወልድያ ጀሚሩ ናብ ደምበዲሎን ካልኦት ዩኒቨርስታትን ዝለሓመ ናይ ብሄር ግጭት፣ ንስርዓተ ትምህርቲ ኣዘናቢሉ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ህይወት ተመሃሮ እውን ጉድኣት ከምዘውረደ ኣብ እዋኑ ተገሊጹ እዩ።
ነዚ ሽግር’ዚ መፍትሒ ንምርካብ ሚኒስትሪ ሳይንስን ላዕለዋይ ትምህርቲን ኣብ ዘዳለዎ ኣኼባ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፣ ነቶም ገበነኛታት ግቡእ ፍርዶም ክወሃቦም ምዃኑ’ዩ ገሊጹ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0