ኢትዮጵያ፣ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግጭይ ብውሕዱ 19 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 06 June 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት፣ ብውሕዱ 19 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኮሚሽን ፖሊስ ናይቲ ክልል፣ ዑመር ሙስጠፋ ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ኣብ ዞባ ካሚሺ፣ ምምሕዳር ምዥጋ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ባሕቲ ሰነ፣ ዝተኻየደ ግጭት ካብ ዝተቐትሉ ሰባት፣ ኣምሓዳሪ ናይቲ ምምሕዳር ከምዝርከቦም እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ግጭት፣ ምስ መንግስቲ ብዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት ካብ በረኻ ናብ ዓዲ ዝኣተዉ ዕጡቓት ደሞክራስያዉ ምንቅስቓስ ህዝቢ ጉምዝ፣ ብዝኽፈትዎ ቶኽሲ ከምዝተወለዐ ‘ቲ ኮሚሽነር ዝወቕስ።

እቲ ግጭት ገና ከምዘይሃድአ ዘመልክታ መርበባት ዜና ኢትዮጵያ ብወገነን፣ ኣብ ዞባ ካሚሺ፣ ሰዓታት እቶ እቶ ተኣዊጁ ከምዘሎ ሓቢረን።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ልዕሊ 490 ዕጡቓት ጉምዝ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዶም ከምዝሃቡ ማዕከናት ዜና ናይቲ መንግስቲ ምጥቃሰን ይዝከር።

ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፣ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ካብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዝሃደሙ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ሱዳን ብምስጋር ዑቕባ ከምዝሓተቱ ኣረጋጊጹ።

ምስ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝዋሰን ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ፣ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሶ ዝርከበሉ ዞባ ዘጥቓለለ’ዩ።

ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ብዝተጓሃሃር ግጭታት፣ ብተደጋጋሚ ጸጥታ ናይቲ ክልል ክፈርስን ናይ ህጹጽ እዋን ክእወጀን ጸኒሑ’ዩ።

ብፍላይ ዞባ መተከል፣ ካብ ቁጽጽር ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኮይኑ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

 

ስእሊ፣- ካብ ኣርካቭስ ኢንተርነት

=====================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0