ኢትዮጵያ፣ ካብ ቻይና ዝተለቀሓቶ ልዕሊ 14 ቢልዮን ዶላር ዕዳ፣ ገለ ክፋሉ ክስረዘለ ሓቲታ

Radio Erena: 16 January 2023

ኢትዮጵያ፣ በብእዋኑ ካብ ቻይና ካብ ዝተለቀሓቶ ልዕሊ 14 ቢልዮን ዶላር ዕዳ፣ ገለ ክፋሉ ክስረዘላ ምሕታታ ቢዝነስ ኢንፎ ኣቃሊሑ።

እታ ሃገር ዕዳ ክስረዘላ ዝሓተተ፣ ብሓድሽ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ኵን ጋንግ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ቻይና፣ ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደቱ ዝሓለፈ ሰሙን ብኢትዮጵያ ኣብ ጀመረሉ ኣጋጣሚ’ዩ።

እቲ ሚኒስተር፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ኢትዮጵያ መዘንኡ ኣቶ ደመቀ መኮነን ብምርኻብ ኣብ ምስራዝ ዕዳ፣ ኣብ ምትሕግጋዝ ቁጠባን ንግዲን ከምኡ ድማ ፖለቲካዊ ምምኽኻር ኣብ ብዝሉ ነጥብታት ዘትዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ እቲ መርበብ ዜና፣ ኢትዮጵያ፣ ኣስታት 30 ቢልዮን ዶላር ውህሉል ናይ ወጻኢ ዕዳ ክህልዋ እንከሎ፣ ፍርቁ ካብ ቻይና ዝተለቀሓቶ’ዩ።

ቻይና፣ ንኢትዮጵያ ገለ ክፋል ዕዳ ክትስርዘላ ምዃና ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ጠቒሰን።

ኣንተኾነ፣ ብዝሒ ናይቲ ቻይና ንኢትዮጵያ ክትስርዘላ ዝተሰማምዐቶ ብዝሒ ገንዘብን ኣምሳያኡ ዝህሉ ውዕልን ብዝርዝር ኣይተገልጸን።

ዑደቱ ብ9 ጥሪ ብኢትዮጵያ ዝፈለመ ላዕለዋይ ልኡኽ ቻይና፣ ናብ ጋቦን፣ ኣንጎላን ቤኒን ድሕሪ ምብጻሕ ሎሚ 16 ጥሪ ብግብጺ ክዛዝሞ’ዩ።

መዝነት ካብ ዝርከብ ሓደ ወርሑ ኣቝጺሩ ዘሎ ሓድሽ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፣ ኣህጉራዊ ዑደቱ ብሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ምጅማሩ፣ እታ ኤስያዊት ሃገር ማዕረ ሃገራት ምዕራብ፣ ጸጋታት ኣፍሪቃ ኣብ ምሽማው ኣቛሚታ ምህላዋ ዝእንፍት ምዃኑ ተንተንቲ ይእምቱ።

ቻይና፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሓይሎ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ህንጻ፣ ወደብ፣ ዕደናን ንግዲን ዘተኮረ ገዚፍ ወፍሪታት ተካይድ ምህላዋ ይፍለጥ።

እታ ሃገር፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት እተን ወፍሪ እተካይደለን ሃገራት ጣልቃ ዘይምእታው ዝብል ፖሊሲ ስለእትኽተል፣ ብፍላይ ብምልኪ ዝመሓደራን ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰሱ መንግስታት ዝምርሓን ሃገራትን፣ ከም ዘይሻራዊት መሻርኽቲ ኣብ ልምዓት ‘ያ ትቑጸር።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0