ኢትዮጵያ፣ ካብ ሰደድ ክትረኽቦ ዝወጠነት ኣታዊ ብ38% ጎዲሉ

ኢትዮጵያ፣ ካብ ሰደድ ክትረኽቦ ዝወጠነት ኣታዊ ብ38% ጎዲሉ

Radio Erena: 25 January 2019

ኢትዮጵያ፣ ናብ ወጻኢ ሃገራት ካብ እትልእኮ ሰደድ ክትረኽቦ ዝወጠነት ኣታዊ ብ38% ከምዝጎደለ ተሓቢሩ።

ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ፣ ንጸብጻብ ሚኒስትሪ ንግዲ እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣብ ዘቕርብኦ ሓበሬታ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ሰደድ 1.96 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ንምርካብ መዲቡ እኳ እንተነበረ፣ 62% ናይዚ ጥራይ ኣታዊ ከምዝገበረ ኣገንዚበን።

ሚኒስተር ንግዲ ኢትዮጵያ፣ ብ24 ጥሪ ንፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዘቕረብኦ ጸብጻብ፣ ካብ መጀመርያ ሓምለ 2018 ክሳብ መጀመርያ ጥሪ 2019 ኣብ ዝነበራ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፣ ካብ ሰደድ ዝረኸቦ ኣታዊ 1.21 ቢልዮን ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ዓሚ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ምስ ዝተመዝገበ ናይ ሰደድ ኣታዊ ክነጻጸር እንከሎ፣ ብ10% ከምዝጎደለ እቲ ጸብጻብ የነጽር።

ኣታዊታት ሰድድ ኢትዮጵያ፣ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት ኣስታት 3 ቢልዮን ዶላር ምንባሩ ይግለጽ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ስልጣን ዝመጸሉ፣ ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ዝተሓንጸጸ ውጥን ኣታዊታት ሰድድ፣ ብ38% ዝጎደለሉ ኣውራ ምኽንያት፣ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርግጋእ ምዃኑ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ ኣሎ።

ምስዚ ተኣሳሲሩ፣ ፍርያምነት ሓርሻን ኢንዱስትሪን እታ ሃገር ምድኻሙ፣ ንኣታዊታት እታ ሃገር ከምዘንቆልቁል ጌርዎ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0