ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጽንኩርን ኣድካሚን ናይ ደባይ ኵናት ተሸሚማ ከምዘላ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ተኣሚኑ

Radio Erena: 06 April 2021

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጽንኩርን ኣድካሚን ናይ ደባይ ኵናት ተሸሚማ ከምዘላ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ ተኣሚኑ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ብቀዳም 3 ሚያዝያ፣ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ንህወሓት፣ ኣብ ትግራይ ካብ ዝነበሮ ስልጣን ንምእላይ ሰለስተ ሰሙን ከምዝወሰደ ብምጥቃስ፣ እንተኾነ፣ ምስ ህዝብን ሓረስቶትን ተመሳሲሉ፣ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝንቀሳቐስ ደባይ ተዋጋኢ ስለዝተቐየረ፣ ኣብዚ ሰለስተ ኣዋርሕ ንምድምሳሱ ኣጸጋሚ ኮይኑ ምህላዉ ኣረዲኡ።

ዝርአ ጻላኢ ክትድምስስን ዘይርአ ጸላኢ ክትገጥምን ነንበይኑ’ዩ ዝበለ ኣብይ ኣሕመድ፣ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ጽንኩርን ኣድካሚን ምዃኑ ኣስሚርሉ።

እቲ ቀዳማይ፣ ብ4 ሕዳር 2020፣ ኵናት ኣብ ትግራይ ድሕሪ ምእዋጁ፣ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን፣ እቲ ኵናት ብዓወት ከምዝተዛዘመ’ዩ ብወግዒ ኣቃሊሑ።

እንተኾነ፣ ኵናት ትግራይ ኣብቲ እዋን’ቲ ይዛዘም ዘይኮነ ይጅምር’ዩ ዘሎ ዝበሉ ሓያሎ ወገናት፣ ነታ ሃገር ናብ ዝበኣሰ ሕልኽላኽ ክሸማ ምዃኑ’ዮም ኣጠንቂቖም።

ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብሰራዊት መንግስቲ ኤርትራን ሚሊሻታትን ተሓጊዙ፣ ንሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንምድምሳስ ዘካየደኦ ተደጋጋሚ ወፍርታት፣ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታን ክሳራታት ወሪድዎ፣ ከምዝፈሸለ ብወገን ትግራይ ይግለጽ’ዩ።

እዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝሃቦ መግለጺ፣ ነቲ ብወገን ሓይልታት ትግራይ ዝወሃብ ዘሎ መግለጺታት ዘራጉድ’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0