ኢትዮጵያ፣ ‘’ኣብ ዝመጽእ ዓመት ሃገራዊ ምርጫ ክካየድ’ዩ’’ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ.

Radio Erena: 11 August 2019

ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ሃገራዊ ምርጫ ኣብቲ ዝተመደበሉ ግዜ ከምእተካዪድ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ. ገሊጹ።
እቲ ሰልፊ ናይ ክልተ መዓልታት ኣኼባ ድሕሪ ምክያድ ብዓርቢ 9 ነሓሰ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ሃገራዊ ምርጫ’ታ ሃገር ብንጹር ዕለቱ እኳ እንተዘይጠቐሰ፣ ብኣንጻር’ቲ ‘ክናዋሕ እዩ’ ዝብል ጥርጣረታት ሓያሎ ወገናት፣ ኣብ ግዚኡ ክካየድ’ዩ ኢሉ።
ዓሌት ብዘንቀሎ ግጭት ካብ ቤት ንብረቱ ናይ ዝተመዛበለ ቁጽሪ ህዝቢ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን በጺሑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ እቲ ዓሌታዊ ግጭት ንሃገራዊ ምርጫ ክዕንቅፎ’ዩ ዝብል ስክፍታ ብሓያሎ ወገናት ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ።
ንኣቃውማ ተቓወምቲ ውድባትን ኩነታት ሃገራዊ ምርጫን ብዝምልከት ናብ ወከልቲ ባይቶ ኢትዮጵያ ንዝቐረበ እማመ 33 ውድባት ተቓውሞአን ከምዘስመዓ ዝዝከር’ዩ።
እቲ ናይ ልፍንቲ ሰልፊ ኣብ ኣኼብኡ፣ ኣብ መንጎ ውድባቱ ዝተራእየ ፍልልይ ንምጽባብ ብሓባር ምስራሕ ደኣምበር ሓድሕድ ምውቕቓስ ደው ከብል ከምዘለዎ ኣብ ስምምዕ እኳ እንተበጸሐ፣ ኣብ ክንዲ ልፍንቲ ሓደ ሰልፊ ንምዃን ዝቐረበ መጽናዕቲ ግን፣ ገና ብዙሕ ስራሕ ከምዝተርፎ ኣፍሊጡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0