ኢትዮጵያ፣ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ኣጋጢሙዋ ንዘሎ ምጭንናቕ ንምፍታሕ ወደባት ሱዳን በርበራን ክትጥቀም ወሲና

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ኣጋጢሙዋ ንዘሎ ምጭንናቕ ንምፍታሕ ወደባት ሱዳን በርበራን ክትጥቀም ወሲና

Radio Erena: 05 April 2016

Djp

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ኣጋጢሙዋ ንዘሎ ምጭንናቕ ንምፍታሕ ወደባት ሱዳን በርበራ ናይ ናይ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ክትጥቐም ወሲና።

እታ ሃገር ኣብ ወደብ ጅቡቲ ክራገፋ ሪጋ ሒዘን ካብ ዝነበራ ኣስታት 20 መራኽብ ንገሊኤን ናብ ፖርት ንገሊኤን ከኣ ናብ በርበራ ከምዘንቀሳቐሰተን’ውን ክረጋገጽ ክኢሉ ኣሎ።

ኣካያዲ ስራሕ ፈደራላዊ በዓልስልጣን መጓዓዝያ ኣቶ ካሳሁን ሃይለማርያን ንጋዜጣ ሪፖርተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ወደብ ጅቡቲ ተጨናኒቑ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ብምዃኑ ናይ ሱዳን በርበራ ወደብ ክጥቐሙ ከምዝወሰኑ የረድእ።

 

ዛጊት 100 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ዝግመት ዱኽዒ ዝጸዓና መራኽብ ካብቲ ሪጋ ሒዘናሉ ዝነበራ ገማግም ባህሪ ጅቡቲ ብምንቕስቓስ ንወደባት ኤርትራ ሰጊረን፣ ናብ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ወደብ ሱዳን ኣምሪሐን ኣለዋ።

25 ሽሕ ቶን ዝግመት ናይ ረድኤት እኽሊ ዝጸዓና ካልኦት መራኽብ ናብ ደቡባዊ ጫፍ ናብ ወሽመጥ ዓደንን ተመሊሰን ኣብ ወደብ በርበራ ክራገፋ’የን።

እዚ ኣብ ወደባት ሱዳን በርበራን ዝራገፍ ኣእካልን ዱኽዒን ናብ ኢትዮጵያ ንምብጽጽሑ’ውን ተወሳኺ ናይ ጽዕነት መካያን ጸገማት ክፈጥር ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ኣስታት 9 ሽሕ ዓበይኦ ናይ ጽዕነት መካይን ብምሉአን ናብ ወደብ ጅቡቲ ክዋፈራ ፈደራላዊ በዓል ስልጣን መጓዓዝያ ሃገራዊ ጻውዒት ከምዘቕረበ ኣይርሳዕን።

እዚ ንኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ወደብ ምጭንናቕ፣ ነቲ ብኣግኡ ናብ ህዝቢ ክበጽሕ ዝነበሮ ናይ ረድኤት መግብን ዱዅዒን ኣደናጉዩ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ናብ ዝበዝሐ ረድኤት ዘድልዮ ከባቢታት ኢትዮጵያ ቅርበት ዘለዎ ወደብ፣ ናይ ኤርትራ ወደብ ዓሰብ እኳ እንተኾነ፣ እዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ካብ 1998 ኣትሒዘን ድሕሪ ዘካየድኦ ኵናት ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ናብ ሰላም ክመጻ ብዘይምኽኣለን፣ ኢትዮጵያ ንወደብ ዓሰብ ክትጥቐመሉ ኣይክኣለትን።

ብሰንኩ ድማ እታ ሃገር ኣብ ጅቡቲ ናይ ወደብ ምጭንናቕ ከጋጥማ እንከሎ፣ ኤርትራ ከኣ ንኢትዮጵያ ካብ እትህቦ ኣገልግሎት ክትረኽቦ ዝነበራ ናይ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ከሲራቶ ኣላ።

መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ብፖለቲካዊ ትዕቢት ን18 ዓመታት ብሰንኪ ዝቕጽልዎ ዘለዉ ምፍጣጥ፣ እቲ ኣውራ ግዳይ ኮይኑ ዘሎ ጎረባብቲ ህዝቢታት እዘን ክልተ ሃገራት’ዩ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0