ኢትዮጵያ፣ ኣብ ወርሒ ሰነ ከተካዪዶ ዝወጠነት ምርጫ፣ ሕጂ’ውን ተናዊሑ

Radio Erena: 16 May 2021

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ወርሒ ሰነ ከተካዪዶ ዝወጠነት ምርጫ፣ ሕጂ’ውን ተናዊሑ።

ኮሚሽን ምርጫ’ታ ሃገር ብቀዳም 15 ግንቦት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ‘ብሰንኪ ተክኒካዊ ጸገማት ኢሉ ዝጠቐሶ’ ምኽንያት፣ እቲ ምርጫ ኣብ ዝተመደበሉ እዋን ክካየድ ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ።

ከምዝፍለጥ ሓያሎ ፖለቲካውያን ሰልፍታት፣ እቲ ምርጫ ርትዓዊ ኣይኮነን ብምባል ተቓዊመንኦ እየን።

ኣደ ወንበር ኮሚሽን ምርጫ ብርቱኳን ሚደቅሳ ንመንግስታውያን ማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃበቶ ቃል፣ እቲ ምርጫ ዝተደናጎየሉ ቀንዲ ምኽንያት፣ ኣብ ምኽፋት መድመጺ ነቑጣታት፣ ምዝገባ ኣድመጽቲ ዝኣመሰለ ተክኒካዊ ጸገማት ስለዘጋጠመ እዩ ኢላ።

እታ ኣደወንበር ንሮይተርስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ከኣ፣ እቲ ምርጫ ንመዓስ ክካየድ ምዃኑ ዝተታሕዘ ውሱን ዕለት ከምዘየለ፣ እንተኾነ ግና ካብ ሒደት ሳምንታት ንላዕሊ ከምዘይድንጉይ ሓቢራ።

ሓፈሻዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እዩ ክካየድ ተመዲቡ ኔሩ። እንተኾነ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ እቲ ምርጫ ኣይክካየድን’ዩ ብምባል መንግስቲ’ታ ሃገር ንካልእ እዋን ኣሰጋጊሩዎ። ነቲ ናይ ምንዋሕ መደብ ዝተቓወመ ህወሓት ኣብቲ ዘመሓድሮ ዝነበረ ከባቢታት ምርጫ ክካየድ ምውሳኑ፣ እቲ ዝጸንሐ ምትፍናን ዝያዳ ተጎሃሂሩ እታ ሃገር ኣብ ውግእ ሓድሕድ ከምትሽመም ኮይና።

ጸጥታን ምርግጋእን ተሓሪሙዋ ዘሎ ኢትዮጵያ፣ ውጽኢት እቲ ምርጫ ብዘየገድስ፣ ናብ ዝገደደ ብሄር ዝመንቀሊኡ ግርጭታት ከምርሓ ከምዝኽእል ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ስግኣቶም ይገልጹ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0