ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክፍሊትን ናይ ሎጂስቲክ ኣቅርቦትን ወደባት ኤርትራ መጽናዕቲ ኣዳልያ

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክፍሊትን ናይ ሎጂስቲክ ኣቅርቦትን ወደባት ኤርትራ መጽናዕቲ ኣዳልያ

Radio Erena: 10 October 2018

Massawa

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ወደባት ኤርትራ ኣብ ዝጥቀመሉ እዋን፣ ብዛዕባ ዝህሉ ናይ ኣገልግሎታት ክፍሊትን ናይ ሎጂስቲክ ኣቕርቦትን ብዝምልከት መጽናዕቲ ከምዘዳለወ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ብወገን መንግስቲ ኤርትራ’ውን መጽናዕቲ ይካየድ ከምዘሎን ክልቲኡ መጽናዕታት ተራእዩ ኣብ መደብደምታ ክብጻሕ ምዃኑን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ይጠቕስ።

ኢትዮጵያ፣ ንወደባት ባጽዕን ዓሰብን፣ ክትጥቐመሉ ቅድሚ ምጅማራ፣ ቅድሚኡ ክምለሱ ዘለዎም ጉዳያት ይጽንዑ ምህላዎም’ውን ጸብጻብ ማዕከን ዜና ፋና ይጠቕስ።

ኢትዮጵያ፣ ንወደባት ኤርትራ፣ ድሕሪ 20 ዓመታት ክትጥቐምሉ ኣብ እትቀራረበሉ ዘላ እዋን፣ ናይ መንገዲታት ጽገናን ካልእ ቀረባትን ተሳልጥ ከምዘላ ክትሕብር ጸኒሓ’ያ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ስምምዓት ይኩን፣ ኣብ ኣጠቓቕማ ወደባት ዝህሉ ናይ ትውጊትን ኣገልግሎታትን ክፍሊታት ብዝምልከት፣ ከም ልማዱ ንህዝቢ ሓበሬታ ኣይሃበን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0