ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኦሮሞ፣ ብሰንኪ ግጭት ልዕሊ 1700 ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኦሮሞ፣ ብሰንኪ ግጭት ልዕሊ 1700 ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን

Radio Erena: 03 January 2019

ethi schoolኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮሞ፣ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት፣ 1765 ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተዓጽዋ ንሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ናይቲ ክልል ዶክተር ቶላ በሪሶ ብምጥቃስ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ብመሰረት ሓበሬታ እተን ማዕከናት ዜና፣ ኣብ ገለ ክፋል ናይ ምዕራብ ኦሮሞ፣ ምስ ህዝቢን ሓያልታት ጸጥታን ድሕሪ ዝተበጽሐ ምርድዳእ፣ 955 ኣብያተ ትምህርቲ ክኽፈታ እንከለዋ፣ ልዕሊ 800 ግና ዛጊት ተዓጽየን ኣለዋ።

ብፍላይ ኣብ ወለጋን ከባቢኡን ዝተጎሃሃረ ግጭታት እናበኣሰ ይመጽእ ምስ ምህላዉ፣ ኣብቲ ዞባ ዝርከብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ስሩዕ ንጥፈታቱ ካብ ምሃብ ተዓንቒጹ ይርከብ።

ብሰንኪ’ዚ ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ኢትዮጵያ ተጓሃሂሩ ዝርከብ ናይ ብሄር ግጭታት፣ ሓያሎ ዩኒቨርሲታትን ኮሌጃትን’ውን ደው ኢለን ከምዘለዋ በብእዋኑ ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።

================ 

COMMENTS

WORDPRESS: 0