ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ደቡብን፣ ምስ ሃይማኖት ዝተተሓሓዘ ግጭታት ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ኣውሪዱ

Radio Erena: 28 April 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ፣ ከተማ ጎንደር ኣብ መንጎ ኣመንቲ ክርስትናን ምስልምናን ብዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዝወረደ መንግስቲ ናይቲ ክልል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ግጭት፣ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኢማም፣ ሸኽ ከማል ለጋስ ኣብ ዝፍጸመሉ ዝነበረ፣ ቅድሚ ራብዕቲ ‘ዩ ተጎሃሂሩ።

ኣመንቲ ምስልምና ንቐብሪ እቶም ሸኽ፣ ካብ ቀጽሪ ቤት ክርስትያን እምኒ ኣይትወስዱን ኢኹም ብዝብል እቲ ግጭት ከምዝተወልዐ እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኣነጺሩ።

ይኹን’ምበር ኣብ ሰብን ንብረት ብዛዕባ ወሪዱ ዝበሎ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ዝተፈላለያ መርበባት ዜና እታ ሃገር ብዝዝርግሕኦ ዘለዋ ሓበሬታ መሰረት ግና ብውሕዱ 20 ሰባት ተቐቲሎም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ክልል ደቡብ፣ ዞባ ኦሞ፣ ኣብ ከተማ ጂንካን ከባቢኣን ብዝተወልዐ ተመሳሳሊ ግጭት፣ 12 ኣባላት ጸጥታ ዝርከብዎም ልዕሊ 900 ሰባት ከምዝተኣስሩ ንምምሕዳር እቲ ዞባ ብምጥቃስ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

በቲ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሚያዝያ ከምዝተኻየደ ዝተሓበረ ግጭት፣ ሓንቲ መስጊድን 150 መንበሪ ኣባይትን ክቓጸል እንከሎ፣ ልዕሊ 1500 ሰባት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም።

ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ዞባ ናይ ምርግጋእ ወፍሪ የካይድ ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣገንዚቡ።

በቲ ግጭት ንዝዓነወ ኣስታት 82 ሚልዮን ዝግመት ሃብቲ፣ ዳግም ንምምላሱ እቲ ዞባ ምወላ ይሓትት ምህላዉ ‘ውን ተፈሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት፣ ምስ ብሄር፣ ክልል፣ ሃይማኖትን ፖለቲካን ዝተተሓሓዘ ግጭታት ኣብ ዝልዓለ ጥርዙ በጺሑ ይርከብ።

እዚ ግጭታትን ምስ ተፈጥሮኣዊ ብድሆታት ክሊማን ተደማሚሩ፣ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ዝበዝሐ ተጸባይ ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት ዝኾነ ህዝቢ ዘለወን ሃገራት ዓለም ኮይና ኣላ።

ኣስታት 110 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ፣ እቲ ልዕሊ10% ወይ ድማ ኣስታት 13 ሚልዮን ተጸባይ ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት ኮይኑ ኣሎ።

እቲ ዝበዝሐ ካብዚ ድማ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፈር፣ ኦሮሞን ሶማልን ይርከብ።
========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0