ኢትዮጵያ፣ ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ብዝተኻየደ ግጭት ብዉሑዱ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 11 July 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ብዝተኻየደ ግጭት ብዉሑዱ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም።
ሺን ሁዋ ንበዓል ስልጣን ጸጥታን ምውሓስ ሰላምን እቲ ዞባ ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ- ሰንበት ኣብ ከባቢ መተከል ኣብ ዝርከብ ዓዲ ብዝተኻየደ ግጭት፣ ብዘይካ እቶም ዝሞቱ ሓሙሽተ ሰባት፣ ካልኦት 11 እውን ከምዝቖሰሉ ኣፍሊጡ።
እቲ ግጭት ንሓደ ኣብቲ ዞባ ዝርከብ በዓል ስልጣን ንዝወረዶ መጉዳእቲ ሕነ ንምፍዳይ ብዝተላዕሉ ኣዝማዱ ከምዝጀመረ ተሓቢሩ።
ነቲ ኩነታት ንምርግጋእን፣ ተመሳሳሊ ፍጻሜ ከይድገምን ፈደራል ኣኽባር ጸጥታ ናብቲ ቦታ ተዋፊሩ ኣሎ።
ቤንሻንጉል ጉሙዝን ከባቢኡን ተደጋጋሚ ዓሌታዊ ግጭት ዝረኣየ እኳ እንተኾነ፣ እዚ ናይ ዝሓለፈ ቀዳመ- ሰንበት ፍጻሜ ግና ዓሌት ዘንቀሎ ኣይኮነን ክብል እቲ በዓል ስልጣን ጸጥታ ንሺን ሁዋ ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ።
ከምዝዝከር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት፣ ኣብቲ ከባቢ ብዝተላዕለ ዓሌታዊ ግጭት ብዉሑዱ 31 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ከኣ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም እዮም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ብዝለዓለ ናህሪ ተጎሃሂሩ ዘሎ ዓሌት ዝመንቀሊኡ ግጭታት ንምእላይ፣ ሰላም ዝበሃል ፍሉይ ሚኒስትሪ ከምዘቖመ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0