ኢትዮጵያ፣ ኣብ ባህርዳር፣ ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ‘ታ ከተማ ብዝተወርወረ ቦምባ 23 ሰባት ቆሲሎም

Radio Erena: 26 May 2023

  • ኢትዮጵያ፣ ኣብ ባህርዳር፣ ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ‘ታ ከተማ ብዝተወርወረ ቦምባ 23 ሰባት ቆሲሎም።
  • ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ብውሕዱ 9 ሰባት ተቐቲሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ዝተጎሃሃረ ግጭታትን ምትፍናናን፣ መልክዓቱ እናተቐያየረ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ከተማ ባህርዳር፣ ናብ ልዕሊ ደገፍቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ እታ ከተማ ብዝተወርወረ ቦምባ፣ ብውሕዲ 23 ሰባት ከምዝቖሰሉ ተገሊጹ።

ደገፍቲ ናይታ ባህርዳር ከነማ ዝተሰምየ ጋንታ፣ ሎሚ 26 ግንቦት ምስ ጋንታ ቅዱስ ግዮርጊስ ንምግጣም፣ ናብ ከተማ ዋሃሳ ንእትብገስ ዝነበረት ጋንትኦም ንምፍናው፣ ትማሊ 25 ግንቦት፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ኣብ ዝተኣኻኸብሉ፣ እቲ ቦምባ ከምዝተወርወሮም ንቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ርክባት እታ ከተማ ብምጥቃስ መርበባት ዜና ሓቢረን።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኣካላት ዛጊት መንነቶም ኣይተፈልጠን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ክካየድ ኣብ ዝቐየነ ግጭት፣ ብውሕዱ ትሽዓተ ሰባት ከምዝተቐትሉን፣ 17 ድማ ከምዝቖሰሉን ተሓቢሩ።

ህዝባዊ ርክባት እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ግጭት፣ ኣብ ዞባ ኑዌር፣ ከባቢ ኢታንግ ኣብ ዝርከባ ክልተ ምምሕዳራት ከምዝጀመረን ድሒሩ ግን ናብ ርእሰ ከተማ ናይቲ ክልል ናብ ዝኾነት ጋምቤላ ከምዝልሓመን ኣረጋጊጹ።

ብሰንኪ’ቲ ግጭት፣ ንሳልስቲ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ትካላትን ንግድን ወሃብቲ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን፣ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ናብታ ክልል ምስ ኣተዉ፣ ካብ ትማሊ 25 ግንቦት ኣትሒዙ ንቡር ስርሑ ከምዝጀመረ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣፍሊጡ።

እንተኾነ፣ ብዝሒ ግዳያት እቲ ጠንቁ ዛጊት ዘይተነጸረ ግጭት፣ ካብቲ ብቤት ጽሕፈት ናይቲ ክልል ዝተዋህበ ቁጽሪ ከምዝዛይድን፣ ከተማ ጋምቤላን ከባቢኣን ናብ ምሉእ ምርግጋእን ጸጥታን ከምዘይተመልሰን፣ ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ የመልክቱ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0