ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ ክልላት ዓፈርን ሶማልን ኣብ ዝተኻየደ ግጭት 10ታት ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 28 December 2020

ኣብ መንጎ ናይ ኢትዮጵያ ክልላት ዓፈርን ሶማልን፣ ደበና ኵናት ኣንጸላልዩ ከምዘሎ ቤት ጽሕፈት ክልላዊ መንግስቲ ዓፈር ካብ ሰመራ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣጠንቒቑ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ድሕሪ’ቲ ገዋኔ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዝርከባ ከባቢታት ፍሪትሊን ሪፎን፣ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ብክልል ሶማል ዝድገፉ ዕጡቓት ከምዝፈጸምዎ ብምኽሳስ፣ እዚ ድማ ነቲ ዝጸንሐ ምትፍናን ዘዕርግ’ዩ ክብል ጠቒሱ።

ኣቐዲሙን’ውን ኣብ ኣፋምቦ፣ ኦፍኖ ኣብ ዝተባህለ ከባቢን፣ ኣብ ሃንሩካ ድማ ሰርካሞን ቴሌን ኣብ ዝተባህለ ካባቢታትን ብዝተፈጸመ ተመሳሳሊ መጥቃዕታት፣ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም ሰለማውያን ሰባት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ከምዝኾኑ መግለጺ ክልላዊ መንግስቲ ዓፈር ይወቕስ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ክልላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ክልል ዓፈር ዘውጽኦ ዘሎ ፈኸራ ሓዘል መግለጺታት፣ ኵናት ከም ምእዋጅ ከምዝርእዮ እቲ ካብ ሰመራ ዝወጸ መግለጺ ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ክልል ሶማል ብወገኑ፣ ፍሉይ ሓይሊ ዓፈር፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ክልል ሶማል መጥቃዕቲ ብምፍጻም 10ታት ሰለማውያን ሰባት ከምዝቐተለ’ዩ ዝኸስስ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዘይካ’ቲ ሰራዊት ኤርትራውያን ዝሳተፎ ዘሎ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኵናት፣ ኣብ ክልላት ቤንሻንጉል ጉምዝ፣ ደቡብ፣ ኦሮምያ፣ ዓፈርን ሶማልን ግጭትታት ክካየድ ብተደጋጋሚ ይስማዕ ኣሎ።

ክልል ኣምሓራ’ውን ብሰሜን ምስ ትግራይ ብምዕራብ ድማ ምስ ሱዳን ብዝካየድ ዘሎ ግጭታት ተጸልዩ ይርከብ።

ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ’ዚ ፈቐድኡ ዝነቱግ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት፣ ናብ ምሉእ ምብትታን መንግስቲ ኣልቦነትን ከይትወድቕ ስግኣት ብዙሓት’ዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0