ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ ተወላዶ ክልላት ኦሮምያን ሶማልን ብዝተኻየደ ግጭት ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ሰባት ተቐቲሎም

ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ ተወላዶ ክልላት ኦሮምያን ሶማልን ብዝተኻየደ ግጭት ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 26 September 2017

Oromia Somalia displaced

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ ተወላዶ ክልላት ኦሮምያን ሶማልን ዝሓለፈ ክልተ ቅነ ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ከምዝበጽሕ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ በቲ ግጭት ናይ ዝተጎድኡ ተወላዶ ክልትኤን ክልላት የጽንዖ ከምዘሎ እኳ እንተገለጸ፣ ኣብቲ ግጭት ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ከምዝተቐትሉን፣ ኣስታት 60 ሽሕ ከኣ ካብ መነባብርኦም ከምዝተመዛበሉን’ዩ ተሓቢሩ።

ጋዜጣ ዘ ሪፖረትር ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ ዘቕረብቶ ጸብጻብ ካብ ክልል ሶማል 50 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ካብ ክልል ኦሮምያ ድማ 18 ሰባት ሞይቶም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ እንጸነሐ ዝጎሃሃር ዘሎ ግጭት ተወላዶ ክልቲኡ ክልላት ንምፍታሕ፣ ናይ ሰላም ኮንፈረንስ ንምክያድ ምድላዋት ይገብር ከምዘሎ’ውን እታ ጋዜጣ ጠቒሳ።

ተወላዶ ክልላት ኦሮምያን ሶማልያን፣ ብዋንነት ኣብቲ ዶባት ዝርከባ ዓድታትን ናይ ሕርሻ መሬትን ከምኡ ድማ ጉዳይ ሰፋሮ ካብ ክልቲኡ ብሄራትን ብዝምልከት ንዓመታት ክሰሓሓባ ጸኒሐን’የን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0