ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ መሳጊድ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕታት ዝኹንን ሰለማዊ ሰልፍታት ይካየድ

Radio Erena: 31 December 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ፣ ኣብ ልዕሊ መሳጊድ ንዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕታት ዝኹንን ሰለማዊ ሰልፍታት ተኻይዱ።

እቲ ኣብ ብዙሓት ከተማታት እታ ሃገር ዝተኻየደ ሰልፊ፣ ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ምብራቕ ጎጃም፣ ሞጣ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ዝተቓጸለ ብውሕዱ 3 መሳጊድ ንምኹናን ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብተደጋጋሚ ንዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕታት ኣብ ልዕሊ ናይ ጸሎትን እምነትን ቦታታት ዝቓወም’ዩ።

ኣብቲ ብደረጃ ሃገር ዝሓለፍ ዓርቢ ዝተኻየደ ኣመንቲ እስልምናን ክርስትናን ዝተሳተፍዎ ሰፊሕ፣ ነቲ መጥቃዕቲ ንዝፈጸሙ ወገናት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ’ውን ጸዊዑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ጸጥታ እታ ሃገር ከውሕስ ብዘይምኽኣሉ፣ ኣብ ሓያሎ ክልላት ፣ ጸጸኒሑ ናይ ብሄር ግጭታት ክነትጉ ይርአ’ዩ።

ጎኒ ጎኑ ድማ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ክልላት ዝርከባ ኣብያተ ክርስታንን መሳጊድን ግዳይ እዚ መጥቃዕታት ይኾና ምህላወን ይፍለጥ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ዓመትን መንፈቕን፣ ልዕሊ 40 ኣብያተ ክርስትያንን መሳጊድን ከምዝተቓጸላ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0