ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሊብያ ንዝርከቡ ዜጋታታ ንምውጽእ ልኡኽ መንግስቲ ክትሰድድ ምዃና ትገልጽ ኣላ

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሊብያ ንዝርከቡ ዜጋታታ ንምውጽእ ልኡኽ መንግስቲ ክትሰድድ ምዃና ትገልጽ ኣላ

Radio Erena : 01 May 2015

600EtEr

ኢትዮጵያ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ዜጋታት ንምውጻእ ዝዓለም ዝርርብ ንምክያድ ልኡኽ መንግስቲ ናብ ሃገር ከምርሕ ምዃኑ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስተር ምስ ሪፖረትር ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ’ቲ ብዳዒሽ ዝተፈጸመ ዘካሕክሕ ቅትለት፣ ኣብ ሊብያ ንዘለዉ ዜጋታት ኢትዮያ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ምስ መንግስታት ግብጽን ሱዳንን’ውን ዝርርብ ይካየድ ምህላዉ ገሊጹ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ’ቲ ናይ ዳዒሽ ፍጻሜ ሓዘኑን ቁጠዐኡን ንምግላጽ ኣብ ዘካየዶ ሰልፊ፣ መንግስቲ ኢህወደግ ንድሕነት ዜጋታቱ እኹል ጻዕሪ ኣየካየድን ክብል ተቓዊሙ’ዩ።

 

በንጻር እዚ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ተቓወምትን መንግስትን ሊብያ ቅርበት ምስ ዘለዎም ወገናት ብምዝርራብ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ንዝርከቡ ዜጋታቱያ ናይ ምድሓን መስርሕ የካይድ ከምዘሎ እቲ ሚኒስተር ይገልጽ። 37 ኢትዮጵያውያን ካብ ማእሰርቲ ከምዝልቐቑ ምግባሩ’ውን ከም ኣብነት ጠቒሱ።

ይኹን’ምበር መብዛሕቶም ኣብ ሊብያ ዝርከቡ መብዛሕቶም ኢትዮጵያን፣ ካብ ሃገራት ምዕራብ ናይ ዑቕባ መሰል መታን ክረኽቡ ብስም ኤርትራውያን ስለዝምዝገቡ፣ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምፍላይ ኣጸጋሚ ኮይኑ ምህላዉ ብሰፊሑ ይዝረከበሉ።

መንግስቲ ሊብያ ልዕሊ 600 ዜጋታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ቀይዲ የእትዩ ከምዘሎ ክግለጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ዝሓለኑ ኣማኢት ስደተኛታት ከኣ ኣብ መዝርዓታት ተታሒዞም ከምዘለዉ ይፍለጥ።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0