ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ሓደ ወርሒ፣ ኣስታት 10 ሽሕ ሰባት ተኣሲሮም

Radio Erene: 04 August 2020

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ብሰንኪ ቅትለት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ኣስታት 9 ሽሕ ሰባት ካብ መነባብርኦም ከምዝተፈናቐሉ፣ ንቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ቻይና፣ ሺንሁዋ ሓቢሩ።

እቶም ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ክልል ኦሮሞያ ኮይኖም፣ እቲ ናዕቢ ኣብቲ ዞባ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምብጻሕ ዓንቒፉ ከምዝወርሐ እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ።

ምስኡ ተተሓሒዙ፣ መርመራ ኮረና ቫይረስ ኣብቲ ዞባ ከምዝተሰናኸለ ተሓቢሩ።

ንቕትለት ድምጻዊ ኦሮሞ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ ዝተጎሃሃረ ግጭት ልዕሊ 239 ሰባት ክቕትለኡ እንከለዉ፣ ኣስታት 10 ሽሕ ድማ ከምዝተኣስሩ ሺንሁዋ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ዝኣሰሮም ኣሽሓት ዜጋታት እታ ሃገር፣ ጋዜጠኛታት፣ ነጠፍተኛታት፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን መራሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ፖለቲከኛታትን ይርከብዎም።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0