ኢትዮጵያ፣ ንጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ንምሕላው ተባሂሉ ኣብ ዝቖመ ምትእኽኻብ፣ ክትጽምበር ጥርዓን ኣቕሪባ

Radio Erena: 28 February 2022

ንጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ምሕላው ተባሂሉ፣ እቲ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት ዝተመስረተ ምትእኽኻብ፣ ኢትዮጵያ ብምግላላ፣ ግጉይ ውሳኔ እዩ ክብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ገሊጹ።

ኣፈኛ’ቲ ሚኒስትሪ ዲና ሙፍቲ፣ ብዕለት 26 ለካቲት ንጋዜጠኛታት ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ‘ልዕሊ 100 ሚልዮን ዝህዝባ ኢትዮጵያ ቀንዲ ተገልጋሊት ቀይሕ ባሕሪ ክነሳ፣ ጸጥታኡ ኣብ ምሕላው ክትሳተፍ፣ ዕድመ ክቐርበላ ኣለዎ’ ኢሉ።

ብስዑዲ ዓረብ ተመዊሉ ኣብ 2019 ዝጀመረ ምትእኽኻብ ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት፣ ንኤርትራ፣ ጂቡቲ፣ ሱዳን፣ ግብጺ፣ ዮርዳኖስ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሶማልን የመንን ይሓቁፍ።

ኣብቲ እዋን፣ ቀንዲ ዕላማ ምቛም’ቲ ምትእኽኻብ፣ ንምትእትታው ቻይናን ሃገራት ምዕራብን ንምግታእ እዩ ዝብል ትንታነታት እዩ ተዋሂቡዎ።

ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተርን፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን፣ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ጀርመን ዝተኻየደ ‘መበል 58 ዋዕላ ጸጥታ ሙኒክ’፣ ኢትዮጵያ ካብ ምኽባር ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ክትግለል የብላን ክብል ምጥቃሱ ዲና ሙፍቲ ሓቢሩ።

ናይ ገዛእ ርእሳ ናጽነት ዝኣወጀት ሶማሊላንድ እውን ኣብቲ ምትእኽኻብ ብዘይምጽምባራ፣ ዘለዋ ተቓውሞ ኣስሚዓ ኣላ።

ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ፣ ምስግጋር ኣጽዋር፣ ቅርሰና ባሕሪ ዝኣመሰሉ ገበናት ንምቁጽጻር ዝዓለመ’ዚ ምትእኽኻብ፣ ኢትዮጵያ ክትጻወቶ ንእትኽእል ግደ ዳግመ ግምት ብምግባር፣ ኣብቲ መድረኽ ክትሳተፍ ንጽውዕ ኣለና፣ ክብል’ዩ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደመቀ መኮነን ኣብ ዋዕላ ጸጥታ ሙኒክ ጥርዓኑ ዘቕረበ።

ካብታ ነቲ ምትእኽኻብ ጠርኒፋ ዘላ ስዑዲ ዓረብ ዛጊት ነዚ ናይ ኢትዮጵያ ጥርዓን ብዝምልከት ዝኾነ ምላሽ ኣይተዋህበን ዘሎ።

ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ንምቛም እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ፣ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ብምዃና፣ ሓንሳብ ወደብ ጂቡቲ፣ ካልእ እዋን ከኣ ወደብ ዓሰብ ክትጥቀም’ያ ዝብል ኣመታት ክወሃቦ ምጽንሑ ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0