ኢትዮጵያ፣ “ንኤርትራውያን ዑቕባ ምሃብ ደው ኢሉ” እናተባህለ ዝጋዋሕ ዘሎ ሓበሬታ ሓቕነት ከምዘይብሉ ኤረና ኣረጋጊጻ

Radio Erena; 31 January 2020

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ፍሉይ ፖለቲካዊ ጉዳይ ዘለዎም እንተዘይኮይኑ፣ ንኤርትራውያን ዑቕባ ምሃብ ደው ኣቢሉ እናተባህለ ብማሕበራዊ ሜዳያታት ክዘውር ዝጸንሐ ሓበሬታ ሓቕነት ከምዘይብሉ ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጻ።

ኣብ ክልል ትግራይ፣ እንዳባጉና ኣብ ዝርከብ ማእከል መጻረዩ ጉዳይ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 10 መዓልታት ብኩሉ ዶባት ንዝመጽእዎ ኣማኣኢት ኤርትራውያን ብግቡእ ክቕበልን ናብ ዝተዳለወ መዓስከራት ክልእኽን ዘይክኣለሉ ምኽንያት ብውሳኔ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይኮነ፣ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት IOM ብሰንኪ ዋሕዲ ባጀትን ስእነት ነዳዲን ንጥፈታቱ ደው ብምባሉ ዝሰዓበ ምዃኑ ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ንኤረና ኣፍሊጦም።

ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ IOM፣ መዓልታዊ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰግሩ ኣማኢት ኤርትራውያን ካብ ማእከል መጻረዩ እንዳባጉና ናብ መዓስከራት ከበጻጽሕ ዝጸንሐ ኣህጉራዊ ማሕበር’ዩ።

እንተኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ እኹል ባጀት ስለዘይብሉን ነዳዲ’ውን ከም ዝደለዮ ክረክብ ብዘይምኽኣሉን፣ ንጥፈታቱ ብምስንኻሉ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ እንዳባጕና ኣማኢት ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ከተኣናግድ ኣይጸንሐን።

እንዳባጉና ኣብ ሓደ እዋን ኣስታት 700 ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ስለዝሕዝ፣ ምምልላስ ናብ መዓስከራት ደው ብምባሉ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ክሕዞ ዝኽእል ብዝሒ ኤርትራውያን ስለዝመጽእዎ ንጥፈታቱ ተሰናኺሉ ምጽንሑ እቲ ምንጪ ኣረጋጊጹ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ብስሩዕ ምዝገባ ጀሚሩ ከምዘሎን፣ ነቶም ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ዝሓጸረ ናብ መዓስከራት ከፋንዎም ምዃኑን ኣረዲኡ።

ኣብ ነፍሲ ወከፈ ወርሒ ብገምጋም ኣስታት 6 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ’ዮም ናብ ኢትዮጵያ ዝሰግሩ ዘለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ በብውልቆምን ምስ ስድራቤታቶምን ዝሰገሩ ልዕሊ 72 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰገሩ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓመታዊ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ይርከብ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፣ እቶም ኣስታት 45% ብዘይኣለዩ ዝመጽኡ’ዮም።

ስእሊ፣- መርበብ ሓበሬታ IOM

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0