ኢትዮጵያ፣ ንህጹጽ እዋን ዝተቐረበ መግቢ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ክውዳእ ምዃኑ ኣተሓሳሲባ

ኢትዮጵያ፣ ንህጹጽ እዋን ዝተቐረበ መግቢ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ክውዳእ ምዃኑ ኣተሓሳሲባ

Radio Erena: 13 June 2017

Ethiopia

ኢትዮጵያ፣ ንህጹጽ እዋን ዝተቐረበ መግቢ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ክውዳእ ምዃኑ ብምትሕስሳብ፣ ገበርቲ ሰናይ ህጹጽ ረዲኤት ከበርክታ ጸዊዓ።

እታ ሃገር፣ ናይ ሓደ ወርሒ ህጹጽ መግቢ ጥራይ ከምዘለዋ ብምዝኽኻር፣ ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ሃገራትን ትካላት ግብረ ሰናይን እንተዘይረኺባ ኣስታት 7.8 ሚልዮን ህዝባ ግዳይ ክኸውን ምዃኑ ገሊጻ።

ኣንጸላልዩዋ ንዘሎ ናይ ደርቂ ሓደጋ ንምምካት ልዕሊ ርብዒ ቢልዮን ዶላር ሰሊዓ ዝነበረት ኢትዮጵያ፣ እቲ ዝሰልዓቶ ባጀት እኹል ከምዘይኮነ ኣቐዲማ ክትሕብር ጸኒሓ’ያ።

ለገስቲ ሃገራትን ማሕበራት ግብረ ሰናይን ብዝሃብኦ ረድኤት ተደሚሩ፣ እታ ሃገር ተኸሲቱ ካብ ዝነበረ ዘሰክፍ ሓደጋ ደርቂ ክትድሕን እኳ እንተኸኣለት፣ ድሕሪ ሓደ ወርሒ’ውን ናብቲ ሻቕሎት ትምለስ ከምዘላ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሮም ኣህጉራውያን ትካላት የመልክቱ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሓያሎ ከባቢታት ኦሮምያን ሶማልን ኣብዚ ዓመት እዚ ብዝተኸስተ ደርቂ 10ታት ኣሽሓት ከብትን ጤለ በጊዕን ከምዝሞታ በብእዋኑ ክግለጽ እንከሎ፣ ኣብ ሰብ ዝበጽሐ ሓደጋ ሞት ግና ኣይተሓበረን።

ኣብ ልምዓታዊ መደባት ግዙፍ ምንቅስቓስ እትገብር ዘላ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ’ቲ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጸልዩ ዘሎ ሓደጋ ደርቂ፣ ብቐዳምነት ተጠቒዐን ካብ ዘለዋ ሃገራት’ያ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0