ኢትዮጵያ፣ ተቓውሞ ህዝቢ ይቕጽል፣ ቀ/ሚ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዘየዳግም ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ይብል

ኢትዮጵያ፣ ተቓውሞ ህዝቢ ይቕጽል፣ ቀ/ሚ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዘየዳግም ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ይብል

Radio Erena: 25 February 2016

eth

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮምያ፣ ምዕራብ ኣርሲ ዳግም ዝተወልዐ ናዕብን ግጭትን ናብ ምብራቕ ሃረርጌን ካልእ ከባቢታትን እቲ ዞባ ተጎሃሂርሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ካብ 12 ሕዳር ኣትሒዙ ኣብቲ ግጭት ናይ ዝሞተ ሰባት ልዕሊ 200 ከምዝበጽሐ ሁማን ራይትስ ዎች ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፣ በብእዋኑ ክእክቦ ካብ ዝጸንሐ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር’ዩ ኣብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተጎሃሂሩ ዘሎ ግጭት ናይ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 200 ከምዝበጽሐ ዝሕብር ዘሎ።

ኣብቲ ኣብ ምዕራብ ኣርሲ ዳግም ዝተወልዐ ግጭት ሸውዓተ ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም ሰባት ከምዝሞቱ ሚኒስተር ዜና ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወግዒ ምሕባሩ ይፍለጥ።

 

ይኹን’ምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝሒ ግዳያት ናይዚ ንሓያሎ ከባቢታት ኦሮሞያ ሸፊኑ ዘሎ ግጭት ብዝርዝር ኣየነጸረን።

እቲ ግጭት ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ እናልሐመ ይኸይድ ምህላዉ’ውን ቁጽሪ ግዳያትን ብዝሒ ዓንዩ ናይ ዘሎ ንብረትን እናዛየደ ይኸይድ ምህላዉ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ኢትዮጵያ የመልክቱ።

ኣብ ሃረርጌን ድሬዳዋን ኣብዚ ክልተ መዓልታት ዝተጎሃሃረ ግጭት’ውን ንመጓዓዝያ ናይቲ ከባቢን ካልእ መንግስታዊ ንጥፈታትን ከምዘሰናኸለ’ውን እቶም ምንጭታት ይጠቕሱ።

ነዚ ብህዝቢ ኦሮሞ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ንምቁጽጻር፣ ክልላዊ ምምሕዳር ኦሮሞያ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ብምዃኑ ፈደራላዊ ሓይሊ ፖሊስን ኣባላት ሰራዊትን ክጽንበርዎ ከምዝሓተተ ይግለጽ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ብዛዕባ’ዚ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ’ቶም ነዚ ብህዝቢ ዝተወልዐ ግጭት ኣብ ምጉህሃር ኢዶም ዝሕውሱ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ዘየዳግም ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ክብል ገሊጹ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0