ኢትዮጵያ፣ ብደርቂ ንዝተጠቕዐ 8.2 ሚልዮን ህዝባ ረዲኤት ትሓትት

ኢትዮጵያ፣ ብደርቂ ንዝተጠቕዐ 8.2 ሚልዮን ህዝባ ረዲኤት ትሓትት

Radio Erena : 16 October 2015

fmeth

ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ብሰንኪ ዘሎ ደርቂ፣ ን8.2 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር ናይ ህጹጽ መግቢ ረዲኤት ክልገሰሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይሓትት ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣቐዲሙ ብደርቂ ንዝተጎድኡ ህዝቢ እታ ሃገር ንምርዳእ ዓቕሚ ከምዘለዎ ክገልጽ እኳ እንተጸንሐ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ግና ብወግዒ ኣህጉራዊ ሓገዝ ክሓትት ይስማዕ ኣሎ።

ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዘሎ ደርቂ፣ ዛጊት ህወት ሰብ እኳ እንተዘወስደ፣ ኣማኢት ጥሪት ግና ከምዝሞታ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

 

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንልዕሊ 8 ሚልዮን ህዝቢ ኣንጸላልይዎ ዘሎ ናይ ደርቂ ሓደጋ ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት ንምብጻሕ፣ 192 ሚልዮዮን ዶላር ሰሊዑ ከምዘሎ ይገልጽ።

እንተኾነ፣ እቲ ብመንግስቲ ተሰሊዑ ዘሎ ባጀት እኹል ብዘይምዃኑ፣ ናይ ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ኣህጉራዊ ረዲኤት ኣብ ምሕታት ይርከብ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣንጸላልዩ ዘሎ ከቢድ ናይ ደርቂ ሓደጋ፣ ንልዕሊ 300 ሽሕ ህጻናት ብዓጸቦ ከሰንፍ እንከሎ፣ እቶም ኣስታት 48 ሽሕ ካብዚኣቶም፣ ኣብ ዝበኣሰ ኩነታት ዝርከቡ ምዃኖን ጸብጻባት ካብታ ሃገር የረድኡ።

ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፣ ኩነታት ደርቂ ኢትዮጵያ ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ለገስቲ ሃገራት ቆላሕታ ክገብራ ተላብዩ።

ብሰንኪ ዋሕዲ ዝናብ ብደርቂ ተጠቒዑ ዝርከብ ሓያሎ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝነብር ሚልዮናት ህዝቢ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ምሉእ ብምሉእ ተጸባይ ረዲኤት ጥራይ ኮይኑ ምህላዉ ይንገር።

========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0