ኢትዮጵያ፣ ብዕጡቓት ዝተጨውዩ 6 ቆልዑ ተቐቲሎም

Radio Erena: 02 January 2020

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ፣ ከባቢ ጸገዴ፣ ብዕጡቓት ካብ ዝተጨውዩ ሸሞንተ ቆልዑ እቶም ሽዱሽተ ከምዝተቐትሉ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

እቶም ዕጡቓት፣ ነቶም ዝጨወይዎም ቆልዑ ንኽለቅዎም፣ ንነፍሲ ወከፎም ኣስታት 500 ሽሕ ብር ወይ ድማ ኣስታት 16 ሽሕ ዶላር ክሓቱ ምጽንሖም ንስድራቤታቶም ብምጥቃስ እተን ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

ይኹን’ምበር ስድራቤታቶም ክኸፍልሎም ብዘይምኽኣሎም፣ ነቶም ሽዱሽተ ክርሽንዎም እንከለዉ፣ ሓደ ድማ ቆሲሉ ኣብ ሕክምና ተዓቍቡ ይርከብ።

እቲ ሻሙናይ ግና ብዘይ ዝኾነ ጉድኣት ክሃድም ከምዝኸኣለ’ዩ ተሓቢሩ።

ነቶም ቆልዑ ዝጨወዩ ዕጡቓት፣ ዝኾነ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘይብሎም ሸፋቱ ምዃኖም’ዩ ዝንገር ዘሎ።

ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ፖለቲካ፣ ብሄር፣ ሃይማኖትን ተራ ስርቂን ዝተተሓሓዘ መዓልታዊ ቅትለት 10ታት ሰባት ዝርኣየላ ሃገር ኮይና ምህላዋ ዝተፈላለዩ ወገናት የገንዝቡ።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ናብ ካልኣይ ዓመቱ ተቓሪቡ ክነሱ፣ ጸጥታን ድሕነትን ዜጋታት እታ ሃገር ከውሕስ ብዘይምኽእሉ ብተሪር ይንቀፍ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0