ኢትዮጵያ፣ ብኽነት ወረቓቕቲ ንምድሓን ንኣባላት ፓርላማ ‘ታብለት’ ኮምፒዩተራት ትዕድል

ኢትዮጵያ፣ ብኽነት ወረቓቕቲ ንምድሓን ንኣባላት ፓርላማ ‘ታብለት’ ኮምፒዩተራት ትዕድል

Radio Erena: 30 March 2017

Ethiopian par

ፓርላማ ኢትዮጵያ፣ ብኽነት ወረቓቕቲ ንምድሓን ንኣባላቱ ‘ታብለት’ ኮምፑተራት ከምዝዓደለ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

እዘን ንልዕሊ 600 ኣባላት ፓርላማ ኢትዮጵያ ዝተዓደላ ኮምፑተራት፣ ነፍሲ ወከፈን ምስ ስራሕ እቲ ፓርላማ ዝተሓሓዝ (ኣፕሊኬሽን/ሶፍትዌር) ዝተጻዕና ኮይነን፣ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ወረቓቕቲ ተሓቲሙ ዝዕደል ወይ ዝዝርጋሕ ዝነበረ ሰነዳት፣ ብመንገዲ’ዚ ኣፕሊኬሽናት ብዲጂታል ናብ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ፓርላማ ክበጽሕ ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

እዚ መስርሕ እዚ ድማ፣ እቲ ፓርላማ ዘባኽኖ ዝነበረ ወረቓቕትን ናይ ሕትመት ቀለማትን ምሉእ ብምሉእ ደው ከብሎ ምዃኑ ይትስፎ።

ይኹን’ምበር ኣባላት ፓርላማ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኣጠቓቕማ ‘ተን ተዓዲለንኦም ዘለዋ ሳምሰንግ ጋላክሲ ታብ S2 ዝዓይነተን ናይ ታብለት ኮምፑተራት ዝህልዎም ምልከት ኣጠራጣሪ ኮይኑ ኣሎ።

ፓርላማ ኢትዮጵያ፣ 547 ወከልቲ ህዝቢን 112 ኣባላት ፈደራላዊ ባይቶን ብድማር 659 ኣባላት ኣለዎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0