ኢትዮጵያ፣ ብብዝሒ ደቂንስትዮ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ምስ ስጳኛ፣ ፈረንሳን ካናዳን ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ

ኢትዮጵያ፣ ብብዝሒ ደቂንስትዮ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ምስ ስጳኛ፣ ፈረንሳን ካናዳን ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ

Radio Erena: 17 October 2018

Ethiopian MPS

ፓርላማ ኢትዮጵያ፣ ስልጣን ናይቶም ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝተመዘዙ 10 ደቂንስትዮ ዝርከብኦም 20 ኣባላት ካቢኒ ሚኒስተራት ኣጽዲቑ።

ትማሊ ሰሉስ 16 ጥቅምቲ ዝተጋብአ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ኣቐድድዲሙ ናይ ዝነበረ 28 ብዝሒ ካቢነ ሚኒስተራት ስልጣን ድሕሪ ምምይያጥ፣ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንዝተረቁሑ፣ ፍርቂ ስልጣን ናይቲ ካቢነ ደቂንስትዮ ዝዓብለልኦ ናይ20 ሚኒስተራት ጽፍሒ ኣጽዲቑ።

ብዝሖም ካብ 28 ናብ 20 ዝጎደለ ሓደስቲ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ፣ ስልጣኖም ብባይቶ እታ ሃገር ድሕሪ ምጽዳቑ፣ ቃለ መሓላ ፈጺሞም ስርሖም ጀሚሮም ኣለዉ።

ደቂንስትዮ ካብ ዝሓዝኦ ስልጣን ካቢነ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ፣ ምክልኻል፣ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር፣ ንግድን ኢንዱስትርን፣ መጓዓዝያ፣ ከምኡ ድማ ሓድሽ ዝቖመ ጽፍሒ ሚኒስተር ሰላም ይርከቦ።

ኢትዮጵያ፣ ብብዝሒ ደቂንስትዮ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ምስ ስጳኛ፣ ፈረንሳን ካናዳን ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0