ኢትዮጵያ፣ ብቀዳማይ ሚኒስተር ዝተሾሙ ሰበ ስልጣን፣ ንነዊሕ ዘይቅጽልሉ ምኽንያት ኣብ ፓርላማ ኣዘራሪቡ

Radio Erena: 26 January 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፣ በብእዋኑ ዝሽየሙ ዘለዉ፣ ሚኒስተራት ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን፣ ብርግኣት ንነዊሕ ክቕጽሉ ዘይክልሉ ዘለዉ ምኽንያት፣ ኣብ ፓርላማ እታ ብመልክዕ ሕቶ ንመንግስቲ ቀሪቡ።

ኣባላት ፓርላማ፣ ነቶም ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ስልጣን ዝተኣልዩ ንምትካእ፣ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንዝተረቑሑ ሓድሽቲ ሰበ ስልጣን ንምጽዳቕ፣ ብ24 ጥሪ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ’ዩም ነቲ ሕቶ ኣቕሪቦም።

ንመንግስቲ ወኪሉ ኣብቲ ፓርላማ ዝተረኽበ፣ ኣቶ ተስፋዮ ቤልጂጌ፣ ሽመት ስልጣን ምስ ተሞክሮ፣ ኣድማዕነት፣ ቅንዕናን ተኣማንነትን ኣብ ግምት ብምእታው ከምዝወሃብ እኳ እንተ ጠቐሰ፣ ዝተሸሙ ሰበ ስልጣን፣ በብእዋኑ ኣብ ሓጺር እዋን ብኻልኦት ዝትክእሉ ንዘለዉ ምኽንያት ግና ኣየነጸረን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣማሓዳሪ ማእከላይ ባንክ ዝርከቦም ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰበስልጣን ብምእላይ ብሓድሽቲ ተኪእዎም ኣሎ።

ኣብ ካልእ ናይ ኢትዮጵያ ዜና፣ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢህወደግ ነበር፣ ኣቶ በረኸት ስምኦን፣ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ማእሰርቲ፣ ከምዝተፈትሐ፣ ንጠበቕኡ ብምጥቃስ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ጉዳያት ጸጥታ፣ ሚኒስተር መራኸቢታትን ካልእ ላዕለዋይ ጽፍሕታት መንግስቲ ዝነበሮ፣ ኣቶ በረኸት ስምኦን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ ኣብ 2018’ዩ፣ ብብልሽውና ተኸሲሱ።

ንሱ እቲ ዝተመስረተሉ ክሲ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ምስ ብልሽውና ዝተሓሓዝ ገበን ከምዘፈጸመ፣ ብመንገዲ ጠበቕኡ ክከራኸር ጸኒሑ።

ይኹን’ምበር፣ ብዝተመስረተሉ ክሲ ብልሽውና ገበነኛ ኮይኑ ከምዝረኸቦ ዘመልከተ ቤት ፍርዲ ንሽዱሽተ ዓመታት ክእሰር ብይን ሂቡ።

ነዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት፣ ኣብ ባህርዳር ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተቐይዱ ዝጸንሐ ኣቶ በረኸት፣ ብሰሉስ 25 ጥሪ ድሕሪ ምፍትሑ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከቡ ስድራቤቱ ከምዝተጸንበረ እተን መርበባት ጠቒሰን።

ኣቶ በረኸት፣ ዝተፈርዶ ዓመታት ማእሰርቲ ከይወድአ ምፍትሑ ብምሕረት ይኹን ብኻልእ ግና ዛጊት ዝተሓበረ የለን።

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0