ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ዋሕዲ ባጀት ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ኤምባሲታት ትዓጹን ዲፕሎማሰኛታትን ትስሕብ ኣላ

Radio Erena: 03 September 2021

ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚሙ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ከቢድ ናይ ቁጠባ ቁልውላው ስለዝገጠሞ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከብ ሓያሎ ኤምባሲታቱን ይዓጹን ዲፕሎማሰኛታት ይስሕብ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ መንግስቲ፣ ዛጊት ኣብ ኣልጀርያ ዝርከብ ኤምባሲኡ ከምዘዓጸዎ ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣብ ኣመሪካ፣ ዋሺንግተን ዲሲ ዝመደበሮም 18 ኣባላት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ከምዝሰሓበ’ዩ ተመልኪቱ።

ብዘይካ’ቲ፣ ኣብ ጄኔቫ ዝመደበሮም ሓሙሽተ ኣባላት ቀዋሚ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት’ውን ናብ ዓዶም ክሰሓቡ ጻውዑት ስለዝቐረበሎም እቲ ልኡኽ ሰለስተ ኣባልት ጥራይ ሒዙ ከምዝተረፈ ተጠቒሱ።

ኣብ ከቢድ ቅልውላው ወዲቑ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ፣ ሚነሶታ፣ ፍራንክፈርትን ካልኦት ከተማታትን ዝርከብ ቆንስላት’ውን ኣብ መስርሕ ምዕጻው’ዩ ዝርከብ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ ኣቐዲሙ ንኣባላት ባይቶ ሃገሩ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ኣብ ኣስታት 30 ሃገራት ዝርከብ ኤምባሲታትን ቆንስላትን ክዕጾ ምዃኑ ኣረጋጊጹ’ዩ።

ምስዚ ምዕጻው ኤምባሲታትን ቆንስላትን ተተሓሒዙ፣ ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ሆላንድ፣ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ዝነበሩ ዲፕሎማሰኛታት ኣባልት ኤምባሲታትን ኢትዮጵያ ዑቕባ ንምሕታት ይተርፉ ምህላዎም ይስማዕ ኣሎ።

ብውሕዱ ኣብ ሰለስተ ክልላትን ሓያሎ ዞባታትን፣ ብሰንኪ ጸጥታ ምርጫ ዘይተኻየደ ክነሱ፣ ኣብ ካልእ ክልላት ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ እኹል ውጽኢት ተረኺቡ’ዩ ብዝብል፣ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ሓድሽ መንግስቲ ክምስረት ምዃኑ እትገልጽ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝወልዓቶ ኵናት፣ ከቢድ ቁጠባዊ ክሳራታት ኣስዒቡላ ምህላዉ ክኢላታት የገንዝቡ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ውህሉ ናይ ወጻኢ ዕዳ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ሓሙሽተ ዓመታት ካብ 23.3 ቢልዮን ዶላር ናብ 29.5 ቢልዮን ዶላር ክብ ከምዝበለ መግለጺ ሚኒስትሪ ገንዘብን ፋይናንስን እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0