ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ናይ ብሄር ግጭታት 3 ሚልዮን ህዝቢ ተፈናቒሉ ከምዘሎ ተገሊጹ

ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ናይ ብሄር ግጭታት 3 ሚልዮን ህዝቢ ተፈናቒሉ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 05 February 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ናይ ብሄር ግጭት ኣስታት 3 ሚልዮን ህዝቢ ካብ መነባብርኡ ተፈናቒሉ ከምዘሎ፣ ንኮሚሽን ሰብኣዊ ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳን ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታትን ብምጥቃስ ዩሮኒውስ ሓቢሩ።

ይኹን’ምበር፣ ኣተኩሮ ማሕበረ ሰብ ዓለም፣ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ለጥታት ጥራይ ብምድሃብ፣ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣተኩሮ ከምዘይሃቦ ተገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ብዘይካ’ቶም ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት ካብ መነባብርኦም ዝተፈናቐሉ፣ ኣስታት 8 ሚልዮን ዝኾኑ ዜጋታት እታ ሃገር ህጹጽ ናይ መግቢ ረድኤት የድልዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ እቶም ኣስታት ሓደ ሚልዮን ካብዚኣቶም ነናብ መነባብርኦም ከምዝመለሰ’ዩ ዝገልጽ።

ኮሚሽነር ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብቲ ዝበዝሑ ካብ ግጭት ዝተፈናቐሉ ዜጋታት እታ ሃገር ተዓቝቦምሉ ዝርከቡ ግዝያዊ መዓስከር ቆሎጂ ኣብ ዝበጽሓሉ፣ እቲ ሕብረት፣ 89 ሚልዮን ኤውሮ ዝግመት ህጹጽ ረዲኤት ንምልጋስ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ’ዩ።

ኣብ ክልል ሶማል ዝርከብ መዓስከር ቆሎጂ፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝካየድ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት ዝተፈናቐሉ ኣስታት 80 ሽሕ ዜጋታት እታ ሃገር ተዓቝቦም ይርከቡ።

ኢትዮጵያ፣ ፖለቲካዊ ለውጥታት ተተኣታትውን፣ ዞባዊ ፖሊሲኣ ትቕይስን እኳ እንተላ፣ ኣብታ ሃገር ዛጊት መዕለቢ ዘይረኸበ ናይ ብሄር ግጭታት ግና ይቕጽል ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0