ኢትዮጵያ፣ ብመንገዲ ሱዳን ዝኣቱ ነዳዲ ንምትዕንቓፍ ሰሪሖም ዝበለቶም 12 ኤርትራውያን

Radio Erena: 08 March 2017

Federal

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ጥሒሶምን፣ ብመንገዲ ሱዳብን ነዳዲ ናብ ኢትዮጵያ ከይኣቱ ንምዕንቃጹ ክሰርሑ ጸኒሖምን ዝበሎም 12 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 77 ሰባት ከምዝኸሰሰ ጋዜጣ ዘ ሪፖረትር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢራ።

እታ ጋዜጣ ኣብ ናይዚ ሰሙን እዚ ትሕዝቶኣ ኣብ ዘስፈረቶ ዜና፣ እቶም ምስ ኣርበኞች ግንቦት ሸውዓተ ምስ ዝተባህለ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ተጸንቢሮም ኣብ ኤርትራ ወትሃደራዊ ታዕሊም ድሕሪ ምውሳድ በብጉጅለ ተኸፋፊሎም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወ ዝኸሰሶም 77 ሰባት፣ ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ንዝኣቱ ነዳዲ ንምትዕንቓፍ፣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ መጥቃዕታት ንምፍጻም፣ ናይ ተቓውሞም ወረቓቕቲ ምብታንን ካልእን ዘጠቓለለ ዕላማታት ከምዝነበሮም ጠቒሳ።

ኣብ ክልል ትግራይ፣ ከባቢ ሕሞራ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2016 ኣብ ዝተታሕዝሉ እዋን፣ ምስ ነፍሲ ወከፎም ዝተፈላለየ ዕጥቒን18 ሽሕ ብርን ከምዝጸንሐ ንኣኽባሪ ሕጊ ናብ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘቕረቦ ክሲ ተገሊጹ ኣሎ።

ካብዞም ኣብ ክሲ ተመስሪትሎም ዘሎ77 እቶም 12 ኤርትራውያን ምዃኖም ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር እኳ እንተሓበረት ንመንነቶም ይኹን ካልእ ዝምልከት ዝርዝር ግና ኣየቕረበትን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ኣብ ኤርትራ ሰልጢኖም ዝበሎም ተቓወምቲ ኦጡቃት ቤንሻንጉል፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ከባቢ ናይ ዝህነጽ ዘሎ ዲጋ መጥቃዕቲ ንምክያድ ከምዝወጠኑ ምኽሳሱ ይፍለጥ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0