ኢትዮጵያ፣ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ነታ ሃገር ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ሰሪዑዋ

Radio Erena: 12 May 2019

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢሉ ናይ ዘሎ ህዝቢ ቁጽሪ፣ ነታ ሃገር ኣብ ዓለም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ሰሪዑዋ ከምዘሎ ተገሊጹ።
ኣህጉራዊ ትካል ምቁጽጻር ተመዛበልቲ ኣብ ናይ 2019 ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት 16.5 ሚልዮን ህዝበን ውሽጣዊ ምምዝባል ኣጋጢሙዎ ከምዘሎ የመልክት።
ድሕሪ ምቕያር ሓድሽ መንግስቲ ጥራይ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 2.9 ሚልዮን ካብ ቤት ንብረቶም ብምምዝባሎም፣ ነታ ሃገር ኣብ ዓለም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ሰሪዑዋ ይርከብ። ብኣንጻር’ቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብሰንኪ ዘይህጡር ክራማትን ድኽነትን ዝስዕብ ዝነበረ ምምዝባል፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ቀንዲ ጠንቁ ኣብታ ሃገር ተወሊዑ ዘሎ ብሄር ዝሰረቱ ግጭት ምዃኑ’ዩ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ዘመልክት።
እዞም ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ተመዛቢሎም ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ዳግማይ ንኽጣየሱ፣ ብዉሑዱ 700 ሚልዮን ዶላር ባጀት ከምዘድሊ ሚኒስትሪ ሰላምን ካልኦት ናይ ህጹጽ እዋን ረዲኤት ዝህቡ ትካላትን’ታ ሃገር ይግምግሙ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0