ኢትዮጵያ፣ ምእሳር ጋዜጠኛታት ይቕጽል

Radio Erena: 05 June 2022

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣልማማ ጋዜጠኛታት ምእሳር ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፤ ካብ ሓያሎ ሃገራውያንን ኣህጉራውያንን ትካላት ተቓውሞ ይገጥሞ ኣሎ።

ኮሚቴ ምጥባቕ ጋዜጠኛታት፤ ከምኡ’ውን ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ዝርከብዎም ኣህጉራውያን ትካላት፤ነዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ዘመተ ምእሳር ጋዜጠኛታት ደው ከብሎ ክጽውዑ እንከለዉ፤ ሰለስተ ፖለቲካውያን ውድባት ኢትዮጵያ ከኣ ናይ ተቓውሞ መግለጺ ኣውጺኤን።

ካብ ዕለት 19 ግንቦት ክሳብ 28 ግንቦት ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ፤ 18 ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ኣለዉ።

ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ነዚ ዘመተ ምእሳር ጋዜጠኛታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፤ ልዕሊ 110 መርበባት ሓበሬታ፤ ብዘይ ሕጋዊ ፍቓድ ዜና ክዝርግሓ ጸኒሐን፤ ምባሉ እቲ ዘመተ ክቕጽል ተኽእሎ ከምዘሎ ዝእንፍት’ዩ ክብሉ ተጣበቕቲ መሰላት ሻቕሎቶም ይገልጹ።

ብፍላይ ክልተ ካብ’ቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታት፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቕሪቡሎም ዘሎ ክሲ፤ ክሳብ ናይ ሞት ፍርዲ ዝብይን ብምዃኑ፤ ሓያሎ ወገናት ሻቕሎቶም ይገልጹ።

ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ እውን ብወገነን፤ ፈደራላዊ መንግስቲ ‘ናይ ሓሶት ወረ ብምንዛሕ፤ ናዕቢ የለዓዕሉ ንዘለዉ ምቕራም’ ብዝብል ዝጀመሮ ምእሳር፤ ኣብ ጋዜጠኛታት ጥራይ ዝተሓጽረ ብዘይምዃኑ፤ ህዝቢ ዝጥምቶም መራሕቲ ንኸይህልዉዎ ይገብር ከይህሉ ክጥንቀቕ ይግባእ ኢለን።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0