ኢትዮጵያ፣ ምእሳር ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢህወደግ ነበር ይቕጽል

ኢትዮጵያ፣ ምእሳር ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢህወደግ ነበር ይቕጽል

Radio Erena: 24 January 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ምእሳር ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስትን ኢህወደግን ነበር ይቕጽል ኣሎ።

ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ብዝዘርግሖ ሓበሬታ መሰረት፣ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢህወደግ ነበር ኣቶ በረኸት ስምኦን ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ኣቶ በረኸት ስምኦን፣ ላዕለዋይ መሪሕነት ናይቲ ንኢህወደግ ካብ ዘቆማ ኣርባዕተ ውድባት፣ ሓደ ዝኾነ ብሄራዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ነበር’ዩ።

ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ንምእሳር ኣቶ በረኸት ስምኦን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ዝተኣስርሉ ምኽንያት ብብልሽውና ስለዝተኸሰሱ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ፣ ሓደ ካብ ኣካያድቲ ስራሕ ናይቲ ብውድብ ኣምሓራ ዝውነን ዝነበረ ንግዳዊ ትካል ጥረት ዝነበረ ኣቶ ካሳ ታደሰ’ውን ብተመሳሳሊ ክሲ ከምዝተኣስረ ተሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብብልሽውናንን ምግሃስ መሰላት ደቂሰብን ዝተኸሰሱ ሓያሎ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስትን ኣዘዝቲ ሰራዊት ነበርን ይእሰሩ እኳ እንተለዉ፣ ምእሳር ናይዞም መብዛሕቶም ካብ ክልል ትግራይ ዝኾኑ ሰባት፣ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎን ናብ ሒደት ክልላት ዘነጻጸረን’ዩ ዝብሉ ሓያሎ ወገናት እታ ሃገር ኣለዉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0