ኢትዮጵያ፣ ምስ ናዕቢ ብዝተኣሳሰር ተታሒዞም ዝጸንሑ ልዕሊ ሓደ ሽሕ መንእሰያት ተፈቲሖም

ኢትዮጵያ፣ ምስ ናዕቢ ብዝተኣሳሰር ተታሒዞም ዝጸንሑ ልዕሊ ሓደ ሽሕ መንእሰያት ተፈቲሖም

Radio Erena: 19 October 2018

Addis Abeba youth in orison

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ጸጸኒሑ ኣብ ዝርአ ናዕብን ዕግርግርን ተሳቲፎም ዝተባህሉ ልዕሊ ሓደ ሽሕ መንእሰያት፣ ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ተኣስሮም ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብ18 ጥቅምቲ ከምዝተፈትሑ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቶም መንእሰያት፣ ኣብ ጦላይ ዝተባህለ መዓስከር፣ ኣብ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ኣስተምህሮን ስልጠናን ድሕሪ ምውሳድ ከምዝተፋነዉ’ዩ ተገሊጹ።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፣ ኣብዘን ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ተደጋጋሚ እዋን ጎነጽ ናዕብን ክርአ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ ልዕሊ 3 ሽሕ መንእሰያት፣ ካብ ጎደናታት ተገፊፎም ከምዝተኣስሩ ጸብጻባት ክጠቕሱ ጸኒሖም።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0