ኢትዮጵያ፣ ሓፈሻዊ ምርጫ ንወርሒ ግንቦት ናይ 2021 ክካየድ ከምዝኽእል ተገሊጹ

Radio Erena: 01 November 2020

ሓፈሻዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ንወርሒ ግንቦት ናይ 2021 ክካየድ ከምዝኽእል ተገሊጹ።
ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ’ታ ሃገር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ወርሒ ግንቦት፣ እቲ ምርጫ ክካየድ ግዚያዊ መደብ ወጺኡ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።
ኣካየድቲ ስራሕ’ቲ ቦርድ ምስ ሰራሕተኛታት ሜዲያን በርጌሳውያን ማሕበራትን ኣብ ዘካየዱዎ ኣኼባ፣ ናይ 2020 ምርጫ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ 19 ተሰናኺሉ ከምዝጸንሐ ገሊጾም።
እንተኾነ ፖለቲካውያን ሓልታት’ታ ሃገር፣ ምድንጓይ ምርጫ፣ ካብ ለበዳ ኮሮና ዝሓልፍ ካልእ ፖለቲካዊ ዕላማ ኣለዎ ክብሉ ተቓውሞታቶም ከስምዑ ጸኒሖም እዮም።
ብዓሌታዊ ግጭትን ብሄር ዝሰረቱ ፖለቲካዊ ውዳበን ተኸፋፊላ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ምርጫ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ከተካዪድ ዘኽእላ ጸጥታዊ ኩነታታ ገና ኣሻቓሊ ከምዘሎ እዮም ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ዝገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0