ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ሓያሎ ተቖጻጺሮሞ ዝጸንሑ ከባቢታት ይስሕቡ

Radio Erena: 20 December 2021

ሓይልታት ትግራይ፣ ካብ ትግራይ ወጻኢ ተቖጻጺሮሞ ዝጸንሑ ከባቢታት ይስሕቡ ከምዘለዉ ሮይተርስ ካብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣመልኪቱ።
ላዕለዋይ ኣዛዚ ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ፣ ምስሓብ ሰራዊቱ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን፣ ከም ሰናይ ተበግሶ ንዝርርብ ሰላም ክረአ እምነት ከምዘለዎ ገሊጹ።
ኣብ ትግራይ ጀሚሩ ክሳብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ዝበጽሐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን በብወገኖም፣ ካብ ዝተቆጻጸሩዎም ከባቢታት ክደፍኡን ክድፍኡን ጸኒሖም’ዮም።
ህወሓት ኣብቲ ብዕለት 20 ታሕሳስ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝለኣኾ ደብዳቤ፣ ከባቢታት ትግራይ ካብ ነፈርቲ ናጻ ዞባ (no fly zone) ክኸውን፣ ኣብ ልዕሊ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ኣጽዋር ማዕቀብ ክግበር፣ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ ከምዝወጹ ከረጋግጽ ጸዊዑ።
‘ምስሓብ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን፣ ነቲ ረዲኤት ናብ ህዝቢ ትግራይ ከይሓልፍ ከም ምኽንያት ኮይኑ ክቐርብ ዝጸንሐ ቅድመ ኩነት ስለዝኣልይ፣ ረዲኤት ብእዋኑ ክባጻሕ ንሓትት’ ክብል ህወሓት ብተወሳኺ ጸዊዑ።
ኣብቲ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተላእከ ደብዳቤ፣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ተወላዶ ትግራይ ናጻ ክወጹን፣ ገበናት ንዝፈጸሙ ናብ ፍርዲ ዘቕርብ ኣህጉራዊ ጉጅለ ክለኣኽን፣ ህወሓት ተማሕጺኑ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ዝርከቦም ሓያሎ ኣባላት ማሕበረሰብ ዓለም፣ ኩሎም ወገናት ኢትዮጵያ ተጻብኦ ደው ኣቢሎም ናብ መኣዲ ዘተ ክመጹ ከቕርብዎ ንዝጸንሑ ጻውዒት፣ ብክልቲኦም ወገናት ብዝቐረበ ቅድመ ኩነት፣ ዘተ ሰላም ከምዘይጅመር’ዩ ገይሩዎ ጸንሑ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0